ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ ኣብ መላእ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብዝጽምበለሉ ዘሎ ፡ ነቶም ሎሚ ሓደስቲ ዜጋታት እታ ሃገር ኮይኖም ዜግነት ዝወሰድ ብሓጐስ ተቐቢልዎም። ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ ኢሚግሬሽን ካልኣይ ሰላማዊ ሰብ ድሕሪ ምቕታሎም ፡ እቲ ወጥሪ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ። ኣሌክስ ደ ሚናር ነቲ 10ይ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክሳንደር Bublik ኣብ ዝተገብረ ራብዓይ ዙር ዉድድር ብምስዓሩ ነቲ ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ክገጥም እዩ ።
Share





