ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (27 ሚያዝያ 2026)

SBS Audio.JPG

Credit: Beyene Weldegiorgis

ኣርእስታት ዜና፥ ዓበይቲ ሰልፍታት ፖሎቲካ ኣውስትራሊያ ኣንጻር ዓሌትነትን ጽልኢ ስደተኛታትን ተሪር መርገጺ ክወስዱ ጻውዒታት ቀሪቡ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ፖሊስ ንፕረዚደንት ትራምፕን ንዓጀብቱን ዝግበር ሓለዋ ድልዱል ከምዝነበረ ገዛእ ርእሶም ይከላኸሉ። ኬንያዊ ኣትሌት ሳባስትያን ሳው ኣብ ለንደን ኣብ እተገብረ ውድድር ማራቶን ዝጸንሐ ዝለዓለ ናይ ክልተ ሰዓት ጊዜ ማራቶን ብምስባሩ ስሙ ኣብ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ።


1

ናይ ኢራን ፕሬዝዳንት ማሱድ ፔዘኪያን ምስ ናይ ፓኪስታን ፕሬዝዳንት ሸባብዝ ሸሪፍ ብስልኪ ኣብዘካየድዎ ዝርርብ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ኣገዲድካ ምድፋር ን ናይ ምፍርራሕ ተግባርን ፈጺማ ክብል ከሲሱ ።

ናይ ኢራን መሕር ዜና ከምዝፀብፀቦ ፕሬዝዳንት ኢራን ነቲ ናይ U-S ዉፍይነት ንዘተ ሰላም ኣብ ሕቶ ኣእትዮዎ ኣሎ ።

ፕረዚደንት ዩ-ኤስ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ትማሊ [ሰንበት] ነቲ ብ ስቲቭ ዊክኮፍን ያሬድ ኩሽነርን ዝምራሕ ተዛታዪ ጉጅለ ናብ ፓኪስታን ተጓዒዙ ከካይዶ ወጢኑ ዝነበረ መገሻ ሰሪዝዎ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ተራኺቦም ተወሳኺ ዝርርብ ሰላም ክገብሩ እዮም መዲቦም ነይሮም ።

2

መራሒ ዋን ኔሽን ፖሊን ሃንሰን ፡ ኣብቲ ኣብ ኣፍደገ ፓርላማ ካንበራ ዝተገብረ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ መደረ ኣስሚዓ ።

እቲ ሰልፊ ፡ ዓመታዊ ናይ ኣውስትራሊያ ዝኣቱ ብዝሒ ስደተኛ ኣብ ዓመት 130,000 ክሕጸር ከምዘለዎ ጸዊዑ ኣሎ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ፋይናንሲያዎ ዓመት 300,000 ብ ፍልሰት ኣትዮም እዮም ።

Ms ሃንሰን ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ማዕርነት ከምትድግፍ ገሊጻ ።

[["ኣብዚ ከም ኣባል ፓርላማ ኮይነ ዝሰርሖ ስራሕ ንጋዛ ኣይኮነ ንፍልስጤም ፡ ንእስራኤል ወይ ንብሪጣንያ ወይ ንማንም ዝምልከት ኣይኮነን ፡ ኣብዚ ንኣውስትራሊያ " እየ ዘለኹ።) ]]

3

ዓበይቲ ሰልፍታት ፖሎቲካ ኣውስትራሊያ ኣንጻር ዓሌትነትን ጽልኢ ስደተኛታትን ተሪር መርገጺ ክወስዱ ጻውዒታት ቀሪቡ። እዚ ዝመጸ ኣንጻር ዘሎ መጠን ኢሚግሬሽን ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈት ፓርላማ ድሕሪ ብሰንበት ዝተገብረ ተሪር ጸረ ስደተኛታት ሰላማዊ ሰልፊ እዩ ።

መራጂት One Nation ፖሊን ሃንሰን ኣብቲ Australian Lobby Group ዝወደቦ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ መደረ ዘስምዐት ኮይና፡ ኣንጻር ፍልሰት ከም ዘይኮነት ፡ እንተኾነ እቶም ናብ ኣውስትራሊያ ዝ ኣትዉ ስደተኛታት ምስ ክብርታት ኣውስትራሊያ ዝሳነዩ ወይ ምሉእ ብምሉእ ዝሕወሱ ክኾኑ ኣለዎም ኢላ።

ጸሓፊ ናይ ሊባኖሳውያን እስላማዊ ማሕበር ጃመል ከሂር መብዛሕትኦም ኣውስትራሊያዊያን ንስደተኛታት ዝቕበሉ ምዃኖም ይገልጽ ።

[["መብዛሕትኦም ኣውስትራሊያዊያን ተሳንዮም ክነብሩ ከምዝደልዩ እፈልጥ እየ ፡ ኣብ ዓሌታዊ ባእታ ዓቢ ለውጢ ክገብሩ ዝፍትኑ ፖለቲከኛታት ኣየድልዩናን እዮም ። ንኩሎም ጽቡቕ ዝደልዩ ኣውስትራሊያዊያን ፡ እንተላይ እቲ ኣብ 'ዚ እዋን' ዚ ነቲ መንግስቲ ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ለበር ፡ ነቶም ኣብ ማሕበረሰብና ዘለዉ ዓሌታውያን ባእታታት ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ፖለቲከኛታትና ዘሎ ዓሌታዊ ባእታ ክኹንኑ እጽውዕ ።."]]

4

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ፔኒ ዎንግ ምስ ቻይናዊ መዘንኣ ኣገዳሲ ዝርርባት ክትገብር ተበጊሳ ፣ ንእግረ መገዳ ድማ ምስ ናይ ዞባ መሻርኽቲ ናይ ነዳዲ ስምምዕ ንምግባር መደብ ከምዘለዋ ተፈሊጡ ።

ንሳ ናብ ጃፓን ፡ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ጉዕዞ ንምግባር ሎሚ ክትብገስ እያ ፣ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳኣ ድማ ንግድን ጸዓትን ንምውሓስ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ ።

ኣብ በይጂንግ ፡ ሰኔተር ዎንግ ምስ ቻይናዊ መዘንኣ ዋንግ ዪ ዓመታዊ ዝርርብ ከተካይድ እያ ።

ኣውስትራሊያ ምስ ቻይና ቀጻልን ሃናጽን ነባርን ዝኾነ ርክብ ንኽህልዋ ኣድላዪ ከምዝኾነ ትገልጽ ፡ እዚ ድማ ንሓድሕድ ሃገር ጠቓሚ ከምዝኾነ ብምግላጽ ፡ ኣብ ክልቲኤን ቁጠባታት ናይ ቀረብ ሰንሰለት ፡ ወፍሪን ስራሕን ዝድግፍ ሓያል ናይ ንግዲ ዝምድናታት ከምዘሎ ሓቢራ።4

5

ነበር ፕረዚደንት ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ኣብዚ ወርሒ እዚ ሓፈሻዊ ምርጫ ድሕሪ ሰልፉ ብገፊሕ ድሕሪ ምስዓሩ ካብ ኣባልነት ባይቶ ወሪዱ ።

ሚስተር ኦርባን ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮ ዝፍለጥ ኰይኑ ፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝግበር ዝነበረ ውግእ ንምምዋል ዝግበር ዝነበረ ምወላ ዓጊቱዎ ነይሩ እዩ ።

ንሱ ካብ 1990 ኣትሒዙ ኣብ ባይቶ ከገልግልን ፣ ን16 ዓመት ድማ ስልጣን ሒዙ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብናይ ቀደም መሓዙኡ ዝነበረ መራሒ ማእከላይ የማናዊ ሰልፊ ፒተር ማጋር [ማጀይ-ኣር] እዩ ተሳዒሩ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ።

ኦርባን ኣብ ፓርላማ ዝጸንሖ መንበር ተዓዊቱሉ እኳ እንተኾነ ኡ ኣብ ዳግመ ምድልዳል ሰልፉ ሰልፊ ሃገራዊ ህዝባዊ ፊደስ ንኸተኩር ንመንበሩ ከምዝሓደጎ ኣፍሊጡ።

6

እቲ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቴህራን ፡ብሰንኪ እቲ ኢራን ፡ ኣመሪካን ፡ እስራኤልን እተኻየደ ግጭት ንልዕሊ 50 መዓልቲ ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ብእተወሰነ መጠን ናይ ገያሾ በረራታት እንደገና ተኸፊቱ ።

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢማም ኮመኒ ፡ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣትን ምስ ኲናት ዝተሓሓዝ ዕንወትን ፡ ንመብዛሕትኡ ኣህጉራዊ መገሻታት ክጥርዞ ተገዲዱ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ሒደት መስመራት ፡ ናብ ኢስታንቡል ፡ ሙስካትን መዲናን ዝግበር በረራታት ፡ ከምኡውን ናብ እተፈላለየ በረራታት ደረጃ ብደረጃ ክምለስ ትጽቢት ይግበር ።

ከም ኣቡላዚ ንዝኣመሰሉ ገያሾ ድማ ፡ እቲ ምኽፋት ናይቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ንቡር ህይወት ምምላስ ብምዃኑ የሐጕሶም።

*[["እዚ ናይ መጀመርያ በረራ እዩ ንደቅና ኣብ መወዳእታ ናብ ፍራንክፈርት ክንሰዶም ዘኽእለና ኮይኑ ኣሎ ። ንሳ ተምሃሪት እያ ። ብኣንካራ ኣቢልና ናብ ፍራንክፈርት ንምኻድ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ብእግሪ ክንሰዳ ፈቲንና እኳ እንተ ነበርና ፡ ዳርጋ ን50 መዓልቲ ተኸርዲና  ጸኒሕና ኢና ። ሕጂ ሕጉሳት ኢና."]]

7

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ፖሊስ ንፕረዚደንት ትራምፕን ንዓጀብቱን ዝግበር ሓለዋ ድልዱል ከምዝነበረ ገዛእ ርእሶም ይከላኸሉ። እዚ ዝመጸ ኣብቲ ኣብ ሆቴል ዝተኣንገደ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዘዳለዎ ናይ ጋዜጠኛታት ድራር እንግዶት ዘሰናኸለ ትዂሲ ሲዒቡ እዩ ።

ሓደ ኣብ 30ታት ዕድሚኡ ብረት ዝዓጠቐን ኻራሩን ዝሓዘ ሰብኣይ: ኣብ ዋሽንግተን ሂልተን ንምስጢራዊ ኣገልግሎት ጸጥታ ጥሒሱ ብምእታው ክትኩስ ፈተነ ድሕሪ ምግባር ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ እዩ ።

እቲ ዕጡቕ ድሕሪ ምልውዋጥ ተዅሲ እዩ ተታሒዙ ።

ኣገልግሎት ጸጥታ ቅልጡፍ ምላሽ ብምሃቡ እኳ እንተ ተናኣደ ፡ ኣብቲ ኣኼባ ተኣኪቦም ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ድሕንነት ናይቶም ተኣከብቲ ዘይብቑዕ ከምዝነበረ እዮም ገሊጾም ።

 ሓደ ካባታቶም ፡ ንጀፍሪ ካሪል ካብ ክፍሊ ሜትሮፖሊታን ፖሊስ ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓተትዎ ኔሩ ።

[[ጋዜጠኛ: "እቲ ፕረዚደንት ፡ እዚ ህንጻ እዚ ዘተኣማምን ጸጥታ ከም ዘይነበሮ ድሕሪ ገሊጽዎ ኔሩ ፡ ምስዚ ርእይቶ እዚ ትሰማማዕ ዲኻ ? "

ጀፍሪ ካርል ፥ "ነዚ ህንጻ እዚ ብልክዕ 100% ዝፈልጦ ኣይኮንኩን ። ሎሚ ምሸት ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ከም ዝፈልጦ ፡ እቲ ምስጢራዊ ኣገልግሎት ፡ ክፍሊ ፖሊስ ከተማ ደገፍ ሂቡ እዩ።  እቲ ንድሕንነት ዝምልከት መደብ ፡ ሎሚ ምሸት ከም ዝሰርሐ እፈልጥ እየ ፣."]]

 

ስፖርት……………………

ኬንያዊ ኣትሌት ሳባስትያን ሳው ኣብ ለንደን ኣብ እተገብረ ውድድር ማራቶን ዝጸንሐ ዝለዓለ ናይ ክልተ ሰዓት ጊዜ ማራቶን ብምስባሩ ስሙ ኣብ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ።

ብሰንበት ፡ ሳዌ ኣብ ጐደናታት ለንደን ብዝገበሮ ዘደንቕ ዉድድር ፡ ብ1: 59: 30 ዓወት ኣብዛ ፕላኔት ትሕቲ ክልተ ሰዓት ንምሉእ ማራቶን ብምስዓር ዝቐልጠፈ ጎያያይ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ሰብ ኮይኑ ኣሎ ።

እቲ ሰባስቲያን ሳዌ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ቅልጡፍ ሰዓት ናይ ማራቶን ነቲ ኣብ ማራቶን ቺካጎ 2023 ብወዲ ዓዱ ብሞት ዝሓለፈ ከልቪን ኪፕቱም ተታሒዙ ዝነበረ ናይ 2: 00: 35 ክብረ ወሰን እዩ ሰይሩ ዘሎ ።

እቲ ኣብ ለንደን ዝተገብረ ዉድድር፡ ኢትዮጵያዊ ዮሚፍ ቀጀልቻ'ውን ትሕቲ ክልተ ሰዓት ማለት ብ 1: 59: 41 ኻልኣይ ኮይኑ ድሕሪ ሳው ዉድድሩ ዛዚሙ። ንኽልቲኦም ተኸቲሉ ኡጋንዳዊ ጃኮብ ኪፕሊሞ ድማ ብ 2: 00: 28 ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ዉድድሩ ዛዚሙ ።

"ሳባስትያን ሳዌ ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተገብረ ናይ ማራቶን ዉድድር ሳሕቲ ዝርከብ ድሙቕ ብርሃን ብምንጽብራቕ ተሓቢንናልካ ።" ክብል ፕረሲደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ሓጎሱ ከምዝገለጸ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን።


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now