- ምሕታት ኣፍቃሪ/ት ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ኣብ ካል ሃገራት ብኸመይ ይፈላለ?
- ቅድሚ ኣፍቃሪ/ት ምሕታት ክትፈልጦ ዝግባኣካ ነገራት እንታይ እዮም?
- ኣብ ኣውስትራሊያ ኣፍቃሪ/ት ንምርካብ ካበይ ክትጅምር ኣለካ?
- ኣገልግሎት ምርኻብ ተፋቐርቲ እንታይ እዩ?
- ኣገልግሎት ምርኻብ ተፋቐርቲ ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ?
ጀሪ ካራንትዛስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዴኪን ዳይረክተር ስነ-ፍልጠት ስነ-ኣእምሮን ዝምድናን ኰይኑ: ዳይረክተር ላባራቶሪዝምድናን: ከምኡውን ሓኪም ሰብ ሓዳር እዩ ።
መጻምድቲ ንምርካብ ካብ ፍቕራዊ ዝምድና ሓሊፉ ስሚዒት ናተይነት ዘለዎ እዩ ።
"ኻብቲ ዝዓበናን እተመሃርናዮን ኣዝዩ ፍሉጥ ቦታታት ክንፍለ ከለና ፡ ካብቲ ክፋል እቲ ሕብረተሰብ ዝነበርናሉን ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ናይ ቀረባ ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ዚራኸቡሉ ቦታ ክንወጽእ ከለና ፡ ሰባት ጽምዋን ስምዒት ብሕትውነት ይስምዖም እዩ ። ከም ደቂ ሰብ መጠን ከኣ ፡ ናትና ንብሎ ክህልወና የድልየና እዩ "በለ ።
ፕሮፌሰር ካራንትዛ ፡ ካብ እተፍቅሮም ሰባት ምፍልላይ ፡ ጭንቂ ከም ዘምጽእ ፡ እዚ ከኣ ንቡር ስምዒታዊ ምላሽ ከም ዝዀነ ይገልጽ ።
"ሓደ ካብቲ ነዚ ጸገማት እዚ ኽንዋጽኣሉ እንኽእለሉ መገዲ ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ክንኣቱ ከለና ንሰባት ኽንቐርቦምን ኽንሓቝፎምን ምሳታቶም ኽንከውንን ከም እንኽእል ምስ እንፈልጥ እዩ ።
መብዛሕትኡ ግዜ ፡ ካብ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ማሕበረሰብ ወይ ተመሳሳሊ ባህላዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ፣ ሓደ ዓይነት ባህላዊ ድሕረ ባይታ እንተ ዘይኰይኑ ፡ ሓባራዊ ድሌታት ፡ ክብርታት ፡ እምነት ድሮ ከም ኣካል ናይ ሓደ ነገር ኰይኑ ከም ዝስምዓና ክገብር ይኽእል እዩ "ድማ ይብል ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ፡ ርክብ ምጅማር ግን ካብቲ ኣብ ካኣልእ ሃገር ዘሎ ብዝተፈልየ መንገዲ ዝፍጸም እዩ ።

Speed dating is a social event where single people meet multiple potential partners through a series of short, timed one-on-one conversations. Credit: AsiaVision/Getty Images
"ፕሮፌሰር ካራንትዛስ ኣብ ኣውስትራልያ ብስድራ ወይ ብፈተውቲ እተሰርዐ ምጽማድ ልሙድ ከም ዘይኰነ ይገልጽ፡
"ብዛዕባ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ፡ ክፋላት ኣፍሪቃ ፡ እተፈላለየ ክፋላት እስያ ንዛረብ እንተ ኣሊና ፡ ገሊአን እዘን ሃገራት እዚአን ዝያዳ ሓባራውያን (ዝግበር ምጽማድ ብብዙሓት ዝውሰን) ምዃነን ንፈልጥ ። እቲ ምስ መጻምድቲ ናይ ምርኻብ መስርሕ ብናይ ሓባር መርበብ ሰባትን ኣዕሩኽን ስድራቤትን ክኸውን ይኽእል ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት እውን እንተ ኰነ ፡ ብእተሰርዐ ሓዳር ምምስራትን ተመሳሳሊ ማሕበራዊ ዝምድናን ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና " ።
ኣዳም (ናይ ሓቂ ስሙ ኣይኰነን) ብ2014 ኣህጉራዊ ተመሃራይ ኰይኑ ናብ ኣውስትራልያ ዝኣተወ እዩ ።
"እታ ቀዳመይቲ ወርሒ ፡ናይ ምዝንጋዕን ምድሳትን እያ ። ኵሉ ነገር ሓድሽ እዩ ፣ ኩሉ ንምርኣይ ሃንቀውታ ድማ ነይሩኒ ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ፡ እቲ ሓቂ ክጋሃድ ጀሚሩ ። ናይ ዓደይ ናፍቖት ጀሚሩኒ ። ብብዙሕ ነገራት ክጭነቕ ጀሚረ፡ ባህላዊ ምስንባድ ፡ ገደብ ቋንቋ ፡ ከምኡውን ናይ ጭንቂ ስምዒታት ጀመረ ። ርእሰ ተኣማንነይ ትሑት ስለ ዝዀነ ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ጽምዋ ይስምዓኒ ነይሩ "በለ ።
ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን ሓያሎ ርክባት ምፍሻልን ኣዳም ኣብ መልበርን ናይ ምዝማድ ኣሰልጣኒ ወይ ኮች ኣምሪሑ ።
"ብዛዕባ ማሕበራዊ ክእለት ብዙሕ ተማሂረ እየ ። ኣሰልጣኒየይ ምስ ዘይፈልጦ ሰብ ከም ዝዘራረብ ፡ ብኸመይ ከም ዘይዛረብ ገይሩ ኣትቢዑኒ እዩ ። ስለዚ ፡ ልክዕ ከምቲ ዕርክነት ክንምስርት ዝኽእል ክእለት ፡ ናብ ዝዀነ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኬድና ምስ ዝኾነ ሰብ ኽንዘራረብ ንኽእል ኢና ። እዚ ንኣተሓሳስባይ ብብዙሕ ቀይርዎ እዩ።፡ መብዛሕትኦም ሰብኡት ምስ ኣዋልድ ባህ ዘብል ዕላል ንኽገብሩ ይጽገሙ እዮም "በለ ።

Dating apps are online platforms, either web-based or mobile, that enable users to create a profile, match with others, and engage in online chat before meeting in person. Source: Moment RF / Fotografía de eLuVe/Getty Images
ኣንድሪው ጉንግ ኣብ መልበርን ናይ ኣፍቀርቲ ምርኻብን ምዝማድን ኣሰልጣኒ እዩ። በቲ ናቱ ኩባንያ ኣቢሉ ምስ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ሰሪሑ እዩ ።
"ዳርጋ መዓልታዊ ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ሰብኡት ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ህንድን ካብ ገለ ሃገራት እስያን ሕቶታት ንረክብ ኢና ። እቲ ዓርኪ ወይ ኣፍቃሪት ናይ ምሓዝ ሓሳብ ፡ ካብቲ ኣብ ፊልምታት ዝረኣይዎ ነገራት እዩ ዝብገስ ፣ ኸመይሲ ፡ ኣብ ብፈተወቲ ዝተሰርዓ መውስቦ እዮም ዓብዮም ። ስለዚ ፡ ምስ ኣንስቲ ብኸመይ ስሕበትን ዝምድናን ከም ዝፈጥሩ ኣይፈልጡን እዮም "በለ ።
ሚስተር ጉንግ ምቕሉል ወይ ሕያዋይ ምዃን እኹል ከም ዘይኰነ ይገልጽ ።
"እቲ ዓርኪ ናይ ምሓዝ መስርሕ ተቐዪሩ እዩ ። ኣብ ሸሓኒ ብሩር ተቐሪቡ ዝጸንሕ ጉዳይ ኣይኮነን ፣ ኣብታ ቀዳመይቲ ዕለት ፡ ርክብ ክምስርት ብቐሊሉ ሕራይ ክበሃል እየ ዝበሃል የለን ። ብዙሕ ግዜ ከምኡ ይገብሩ እዮም ፡ ናብታ ትቕጽል መዓልቲ እውን ኣይሓልፉን እዮም "ይብል ።
እንድርያስ ጉንግ ዝምድና ፍቕሪ ንምጅማር ዝሕግዙ ምኽርታት ሂቡ ኣሎ ። Meetup.com ማሕበራዊ መርበብኩም ኣብ ምህናጽ ክሕግዘኩም ከውምዝኽእል ይሕብር ።
"ምስ ደቀንስትዮን ንኽትቋጸርን መገዲ ጌርካ ክትሓስቦ ኣይትፈትን ፣ እዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምህናጽ ጥራይ እዩ ፣ ካብ እተፈላለየ ባህሊ ዝመጹ ኣዕሩኽ ምግባር ፣ ናብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ፡ እንተላይ ናብ ናይ ቋንቋ ኣጋጣሚታት ፡ ቤት ሳዕስዒታት ምኻድ ። ርክባት ንምህናጽ ፡ ካብኡ ንምጅማር ፡ ከምኡ "ውን ምስ ኣዕሩኽ መሓዙት ንምርኻብ ፡እዚ ናብ ርክብ ወይ ዝምድና ምፍጣር ከምርሕ ዝኽእል ዓቢ መድረኽ እዩ "ብምባል ሓሳቡ ይገልጽ ።
ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ፡ ናይ መዛመዲ ወይ ዴቲንግ ኣፕሊኬሽናት ምጥቃም ሓሳብ ኣቕረበ ።
"ስለዚ ፡ ዳቲንግ ኣፕሊኬሽናት ዓርኪ ንምሓዝ ጽቡቕ ክኹኑ ይኽእሉ እዮም ። ፈቲኖም እንተዘይሰሚሩሎም ክሓርቁ የብሎምን። ኣብ ውልቃዊ ታሪኾምን ኣብ ኣቀራርባኦምን ጥራይ እዮም ኽዓዩ ዘለዎም "በለ ።

Tre and Yovnne with their child.
ኣገልግሎት ምርኻብ ተዛመድቲ ወይ matchmaking services ንበይኖም ዘለዉ ወይ ንጽል ኮይኖም ናይ ነዊሕን ዕቱብን ዝምድና ወይ መጻምዲ ንዝደልዩ ዘራኽብ ኣገልግሎት እዩ። እዚ ከም ናይ ዕርክነት ኣኣፕሊኬሺናት ዘይኮነስ ፡ ምስጢራዊነትን ንዉልቀ ብዝጥዕም ዝግበር ናይ ምዝማድ መስርሕ እዮም ኣገልግሎት ዘቕርቡ ።
ኣብ ሲድኒ ዝነብሩ ይቮነንን ትረይን ዝበሃሉ ሰብ ሓዳር ፡ ብ2019 ብmatchmaking service እዮም ተራኺቦም ።
"ናብ ወጻኢ ሃገር ድሕሪ ምጋሸይን ናብ ኣውስትራሊያ ምስ ተመለስኩ ሓድሽ ባህሊ ምስ ኣጥረኹን እየ የነቓቒሐ ። ተመሊሰ ምስ መጻእኩ ድማ ፡ ሽዑ እየ ኣብ ናይ matchmaking service መጻምዲ ደልየ ፡ ምስ ዪቮን ንኽራኸብ ድማ ዝሓገዘኒ ። ቅልጡፍ ርክብ እዩ ነይሩና ፣ ካብኡ እዩ ዝምድናና ዓብዩ ። ክልቴና ኢና ንደሊ ነይርና ። ክልቴና ፍቕሪ ክንረክብ ንደሊ ዝዝነበርና "ይብል ትሬ ።
"ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጥና ፣ ንሓድሕድና እውን ንተኣማመን ኢና ፣ ወትሩ ንሓድሕድና ኽንተኣማመን ንደሊ ኢና ። ስለዚ ፡ እቲ ርክብ ዝነውሐን ዝልደለን ንክኸውን ፡ እዚ ኣገዳሲ ይመስለኒ "ዩቮን በለት ።

Matchmaking services in Australia aim to connect singles seeking serious, long-term relationships. Source: Moment RF / Ippei Naoi/Getty Images
ኣብ ሲድኒ ዝመደበራ ናይ መዛምድቲ ፍቕርን ህይወትን ኣሰልጣኒት ካትሪን ዊ ፡ ኣብ መላእ ኣውስትራልያን እስያን ዝነብሩ ልዕሊ 75,000 ሰባት ነባሪ ፍቕሪ ንኺምስርቱ ሓጊዛ እያ ።
ትጽቢታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ባህልታት ፍልልይ ከም ዘሎ እያ እትገልጽ ።
"ምስ ብዙሓት ጃፓናውያን ፡ ቻይናውያን ፡ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ሰሪሐ እየ ። ኣብዞም ባህልታት እዚኦም ፡ ዓርኪ ምሓዝ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ፡ መርዓ ሓያል ኣትኵሮ ተዋሂብዋ እዩ ኣብ ፈለማ ዝሕተት ፣ ኣብ ጸዓዱ ኣውስትራልያ ነዛ ናይ መርዓ ሕቶ ምስ ቀረበትልካ ፡ 'እዋእ! ኣነ ነዛ ጓል ንዓርኪ ሒዘያ ። ከመይ ገይረ ኣብ ካል ኣይ ግዜ ርክብና ብዛዕባ መርዓ ክሓስብ ኽትሓትት ኪኢላ፧ ፡ ገና ንኻልኣይ ግዜ እዩ ርክብና። መደብ ኣሎኒ ዶ? 'ብዛዕባኣ ብዙሕ ዝፈልጦ ነገር የብለይን' ብምባል እዩ ዝግረም።
matchmaking ካብ ናይ ዳቲንግ ኣፕፓት ዝያዳ ዓሙኢቕ ርድኢት ዝህብ ምዃኑ ትገልጽ።
"Matchmaking እተፈልየ እዩ ። ንዝመጸ ዓሚል እራኸቦን የጻርዮን እየ ፣ ስለዚ ባህላዊ ኣተዓባብያኦም ፡ ክብርታቶምን ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶታቶምን ክርዳእ እፍትን እየ ። ድሕሪኡ ፡ ምስ ሓደ ካብ ልቡ ምስ ካልእ ሰብ ፡ ማለት ብዛዕባ ቃል ኪዳን ኣርዚኖም ምስ ዝዛረቡ ሰባት ጥራይ እየ ዘፋልጦም ። ነቲ ናይ ግምት ስራሕ የወግዶ ፡ ነቲ ናይ ዉሕስነቶም የዛይዶ ፡ ዝዓሞቐን ትርጉም ዘለዎን ዝምድና ድማ ይምስርቱ "በለት ።
ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ናብ ኣሰልጣኒ ወይ ናብ ኣጻመድቲ ዝኸይድ ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ናኣይ ማሕበረሰብ ስፖርት ፡ ኣብ ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ፡ ወይ ብወለንታ ብምዕያይ ኣፍቃሪ'ት ይረኽቡ ።
ኣንድሪው ጉንግ ግን ብዛዕባ ናይ ኦንልይን ምጥፍፋእ ወይ ስካም ጥንቃቐ ክግበር ይመክር። ኩሉግዜ ኣብ ብቕሉዕ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምርኻብ ፡ ናበይ ትኸይድ ከምዘለኻ ንፈታዊኻ ኣፍልጦ ፡ ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ዝርዝራት ነገር ድማ ኣይትዛረብ ።
If family and domestic violence impact you or someone you know, call 1800RESPECT on 1800 737 732, text 0458 737 732, or visit 1800RESPECT.org.au. In an emergency, call 000. The Men's Referral Service, operated by No to Violence, can be contacted on 1300 766 491.
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au






