ንብዙሓት ኣውስትራሊያውያን ፡ ቤት በብግዜኡ ዝዕየ ዕዮ እዩ ።
ሓድሽ ቀለም ድዩ ወይስ ኣብ ድሕሪት ግዛ ብባዕልኻ ዝስራሕ ነገራት ፡ DIY [[D-I-Y]], ዝበሃል ብሓጺሩ ናይ እንግሊዝኛ ቃላት ን Do-It-Yourself ዝገልጽ ብገዛእ ርእስኻ ምሕዳስ ገዛኻን ንብረትካን ብብዙሓት ተቐባልነት ኣለዎ ።
ክሪባሺኒ ሃኖን ፡ ምኩር ናይ ህንጻን ልምዓትን ማናጀር ፡ ናይ DIY renovator ከም ኡውን መስራቲ ናይ Build Play Live ፡ እቲ ባህሊኣብ ኣውስትራልያ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ይገልጽ ።
ከምዚ ዓይነት ባህሊ ኣሎ ኣብ ውሽጢ ኣቲኻ ክትገብሮ ትኽእል ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ነቲ ናይ DIY ሕደሳ ባዕሎም ይገብርዎ ። ከም ልማድ ፡ ኣብ 'ዚ እዋን እዚ ንህንፀት ዘድሊ ወጻኢታት ኣብ ግት ኣእቲኻ ሰባት ናብ ናይ DIY ምሕዳስ የዘውትሩ ዘለዉ ይመስለኒ ።”
ካብ ኣስበስቶን ካልእ ሓደገኛ ነገራት ገዛእ ርእስኻ ምክልኻል
ዝኾነ ፕሮጀክት ቅድሚ ምጅማርኻ ፣ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ፣ ድሕንነት ኩሉግዜ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ ።
እዚ ከኣ ግቡእ ኣካላዊ ምውስዋስ ምግባርን ናውቲ ብኸመይ ከም እትጥቀም ምፍላጥን የጠቓልል ። ይኹን እምበር ፡ ኣብ ቤትካ ብዛዕባ ዘሎ ሓደገኛ ነገራት እውን ክትፈልጥ ኣሎካ ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደ ካብ ሰለስተ ኣባይቲ ኣስቤስቶስ ዝበሃል ማዕድን ኣለዎ እዚ ማዕድን እዚ እንተተበቲኑን ብምትንፋስ እንተትሳሒቡን መንሽሮ ክፈጥር ይኽእል ።

If asbestos needs to be removed, you should engage a licensed asbestos removal contractor. Source: Getty / PixeloneStocker
“ከም ልሙድ ፡ እቲ ናይ ናሕሲ መሽረብ ማይ ፡ ጥሉል ከባቢኻ ፡ መሕጸብ ሰብነት ክፍልኻን ክሽነኻን ፡ ኣብ መሕጸቢ ክዳውንቲካ ፡ ኣብ ባይታኻ ከምኡ ውን ኣብዞም ዝተጠቕሱ ነገራት ክትርኢ ትኽእል ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣስቤስቶስ ከይኣቱ ዝኽልክል ሕጊ ክሳብ ዕለት 31 ታሕሳስ 2003 ኣብ ግብሪ ከም ዘይወዓለ ክንዝክር ኣሎና ስለዚ ቅድሚ ዕለት 31 ታሕሳስ 2003 ዝኾነ ናይ ህንጻ ፍርያት ኣስቤስቶስ ሒዙ ኔሩ ክኸውን ይኽእል ።.”
ክሳዕ 3,000 ዝዀኑ እተፈላለዩ ዓይነት ውጽኢት ህንጻታት፣ ኣስቤስቶስ ክርከቦ ይኽእል እዩ ።
በቲ ኣስቤስቶስ ከተተንከፈ እንተ ተሪፋ ሓደገኛ ከም ዘይኰነ እያ እትዛረብ ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣቕሓ ኣብ ዝቑረጸሉ፡ ወይ ምስዝፈሓር ንኣሽቱ ጽሕጎታት ናብ ኣየር ከም ዝኣቱ ይገብር ።
“እንተዀነ ግን: DIY ኮይንካ ክትቆርጽ ወይ ነቲ ኣስቤስቶስ ዝሓዘ ኣቕሓ እተፍርሶ እንተ ደኣ ዄንኻ: ብሰንኪ መካኒካዊ ረብሻ ነቲ ጽሕጎ ኣስቤስቶስ ኣዝዩ ንእሽቶ ከም ዝኸውን ይገብሮ ። ስለዚ ፡ ብዛዕባ እዚ ብዓይኒ ክርአ ዘይክእል ጽሕጊ ኢና እንዛረብ ዘለና ። ናብ ኣየር ይኣትዉን ኣብ መወዳእታ ናብ ሳንቡእካ ይኣትዉን ።.”
ኣብ ገዛኻ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ሓደጋታት ንምልላይ ነቲ ኣብ Asbestos Awareness dot com dot a-u ዘሎ ሓበሬታ ምምልካት ኣገዳሲ እዩ። ዘጠራጥር እንተኾይኑ ፣ ፍቓድ ዘለዎ በዓልሞያ ተወከስ ።
((“ናይቲ ነገር ቅምሶታት ክእክቡ ፡ ናብ ብ NATA ዝተመስከረሉ ቤተ-ፈተነ ወይ ላቦራቶሪ ይልእኹዎ ፡ እወ ፡ ኣስቤስቶስ ኣለዎ ወይ ኣይፋል ድማ ክነግሩኻ ይኽእሉ ፡ ። ኣስቤስቶስ እንተሃልዩ ከኣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ገለ ምኽሪ ክህቡኻ እዮም ።.”
ኣብ ናይ ቅደም ኣባይትን ኣብ ዶሮናን እውን ኣብ ሊድ እተመርኰሰ ቀለም ክትርኢ ልሙድ እዩ ።
“ብእተኻእለካ መጠን ነቲ ደሮና ካብ ምንጪ ብምፍላጥ ተቘጻጸሮ ፡ መተንፈሲ ወይ ከኣ ብቐሊሉ ዘይትንክፍ ማስኬራ ተጠቐም ።ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ምብልሻው ተኽእሎ ስለዘሎ ኣብ ዝኾነ ናይ ምፍራስ ስራሓት ድሕሪ ምውፋር ኢድካን ገጽካን ብግቡእ ክትሕጸብ ። ከምኡ "ውን ቅድሚ መግቢ ምብላዕን ምስታይን ። ብልምዲ ምስ ምልማጽ ወይ ምልካይ ቀለም ትሰርሕ እንተኾይንካ ከአይተሓጸብካ ሳንድዊችካ ኣይትብላዕ ፡ ምኽንያቱ ነቲ ኣብቲ ቀለም ዘሎ ንገር ክትስሕቦ ተኽእሎ ኣሎ።.”

Safety means wearing the right gear and knowing how to use the tools. Credit: Asbestos Awareness
ብሕጋዊ መገዲ ምጽጋን/ምሕዳስ: ፍቓድን ልቸንሳን
ብድሕሪኡ ዝመጽእ፣ ፍቓድን ልቸንሳን ዩ ።
ሕግታት ከከም መምሕድዳር ግዝኣትካ ወይኻዓ ተሪቶርይ ክፈላለዩ ስለዝኽእሉ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ናይ ህንጻ በዓል ስልጣንን ቤት ምኽሪ ወይ ካውንስል ምምርማር ኣገዳሲ እዩ ።
ኤሌትሪካዊ ስራሕ ብናይ ኤሌትሪክ ፍቓድ ዘለዎ በዓል ሞያ ኤለክትሪክ ክስራሕ ኣለዎ ።
ን ኣሽቱ ስራሓት ከም ንመሕጸቢ ማሽን ብትቦ ምርኻብ ከምኡ እውን ናይ መሕጸቢ ሰብነት ርእሲ ምትካእ ዝበሉ ስራሓት ባዕልኻ ክትሰርሕ ትኽእል ። እንተዀነ ግን ፡ ከም መሳርሒ ጋዝ ምእታው ወይ ናይ ረሳሕ ፈሳሲ መስመር ምስራሕ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም እተሓላለኹ ስራሓት ፡ ወረቐት ፍቓድ ዘለዎ ፕላምበር የድሊ ።
ክብራሺኒ ሃኖን ንሓያሎ ዓመታት ናይ ምሕዳስ ተመክሮ እኳ እንተ ነበሮ ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ወትሩ ይቘጽር እዩ ።
“ምኽንያቱ እዞም ሰብሞያ እዚኣቶም ዝተመስከረሎም እዮም: ገለ ነገር እንተ ተጋግዩ ድማ ግቡእ መድሕን ኣለዎም ። ተክኒካዊ ስለ ዝኾነ ፡ ብዛዕባ ዋሕዚ ማይ ፡ ተክኒካዊ ነገራት ቅኑዕ ዋጋ ዘለዎ ንብረት ክትዕድግን ይሕግዙኻ ። ነቲ ስራሕ ንኽትሰርሕ ግቡእ ናውቲ እንተዘይብልካ ካብ ትጽበዮ ንላዕሊ ዋጋ ከኽፍለካ ይኽእል እዩ ።.”
ዓበይቲ ለውጥታት ንምግባር ናይ ህንጻ ወይ ውጥን ፍቓድ የድልየኻ እዩ ፡ ንኣብነት ናይ ቅርጻዊ መናድቕ ምፍራስ ፡ ናይ ምስፋሕ ህንጻ ምስራሕ ፡ ወይ ዓቢ ልዳት ባይታ ምጥጣሕ ።
ገንዘብን ግዜን ኽትቍጥብ ኢልካ ፍቓድ ከየውጻእካ ክትሰርሕ እንተጀሚርካ ፡ ከቢድ ፀገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ ።
ሃኖን ፡ ገንዘባዊ መቕጻእቲ ፡ ነቲ ስራሕ ብግዴታ ከተፍርሶ ፡ ወይ እውን ንድሕንነት ስድራ ቤትካ ኣብ ሓደጋ ከተእቱ ከም እትኽእል ይገልጽ ።
“ልዕሊ ኵሉ ድማ ፡ ሓደጋ ምውዳቕ ከጋጥመካ ኣይትደልን ኢኻ ። ሰባት ቅኑዕ ነገር ኣብ ዘይገብሩሉን ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ፡ ብዛዕባ ቅርጽን ዕዮን ዝገልጽ ዘስደምም ዛንታታት ትሰምዕ ኢኻ ። መብዛሕትኡ ግዜ ፡ ሰባት ብ DIY ሕደሳ ከም ዝገበሩ ፡ ነቲ ማይ ናይ ምክልኻል መስርሕ ብትኽክል ከም ዘይሰርሕዎ ፡ ወይ ዘድሊ ነገር ብግቡእ ከም ዘየዳለዉ ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ድማ ፡ ስርሖም ብሰበባ ክመልእን ፡ ዕንጨይቲ ከም ዝመሽመሽን ፡ ንዅሉ እቲ ዝገበርዎ ድማ መሊሶም ክትክእዎ ከም ዝግደዱ ንርኢ ኢና ።.”
ን DIY ሓድሽ እንተ ኾይንካ ብንእሽቶ ጀምር
ጄኒቫ ቫንደርዚል ኣብ ብሪዝቤን ዝመደበራ ክኢላ DIY እያ ። ነቲ ናይ ቀደም ጎጆኣ ኸተዐርዮ ከምዝኸኣለት ትዝክር ።
“ቅድሚ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ዓመት ኣቢሉ ንብምልእታ ቤትና ሓዲስናያ ኔርና ፣ ምስ ግዜ ግና ፡ ምትዕርራያት ክትገብርን ለውጥታት ክትገብርን ትደሊ ኢኻ ፣ ምእራግን ምፍርርራስን እውን ኣሎ ። ስለዚ ፡ ንብምሉኡ እቲ ክሽነ ከምሓድሽ እኳ እንተ ኣቕረብናዮ ፡ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ነገራት ከም ብሓድሽ ክንሕድሶ ክኢልና ኢና ። ስለዚ ፡ ንኹሉ እቲ ከብሒታት ሓድሽ ቀለም ለኺናዮ፡ ነቲ ናይ ክሽነ ጣውላ ዳግም ኣሐዲስናዮ ፡ ሓ ብመሰረቱ ድማ ሓድሽን ሓድሽን ከምዝመስል ጌርናዮ ፡ እንተኾነ ብዙሕ ሓድሽ ነገራት ኣይወሰኽናን ።”
ብ DIY ምስራሕ ገንዘብ ንምድሓን ምዃኑ ናይ መብዛሕትኡ ሰብ ምኽንያታት እዩ: ዋጋታት ግን ብቕልጡፍ ክውስኽ ከም ዝኽእል ቫንደርዚል ተጠንቅቕ ።
“ብናይ DIY ዝተሓደሰ ገዛ ን ካልእ ሰብ ስለዘይከፈልካ ናይ ብሓቂ ሕሱር እዩ ኢልካ ምሕሳብ ቀሊል ይመስለኒ ። ኰይኑ ግና ፡ ከም ናውቲ መሳርሕን ናይ ኣቕርቦትን ንመጉሓፊ ዝወጽእ ወጻኢታትን ዝኣመሰለ ነገራት ፡ ነቲ ወጻኢዝውስኸሉ ይመስለኒ ። ስለዚ ፡ ቅድሚ ምጅማርኻ ቁሩብ ባጀት ምውጻእ ኣዝዩ ጽቡቕ ኮይኑ ይስመዓኒ ። ወትሩ ሓጋዚ እዩ ።”

Saving money is one reason why people try DIY, but the costs can mount. Source: Getty / Maskot
ቫንደርዚል ኩሉ ሰብ DIY ክፍትን የተባብዕ ።
“ስራሕ DIY. ክትጅምር ናይ ግድን በዓል ሞያ ክትኮኒ ከምዘይብልካ ምዝካር ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ። ጌጋታት ሓደ ክፋል መስርሕ ትምህርቲ ኰይኑ ፡ ብንኣሽቱ ፕሮጀክትታት ወይ ብናይ ቀለም ምልካይ ፕሮጀክትታት ምጅማር ፡ ብሓቂ ክእለትካ ንኽተማዕብልን ዝያዳ ምትእምማን ንኽትሓድርን ዝሕግዘኻ ይመስለኒ ።.”
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au