ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ።

(AP Photo/Pablo Martinez Monsivais) Source: AP / Pablo Martinez Monsivais/AP
ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣቶማዊ መጽናዕቲ ፡ "ሰዓት መዓልቲ ምጽኣት" መሊኦማ ፣ እዚ ኣቆጻጽራ'ዚ ነቲ ናብ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ዝቐርብ ፡ ዓለምለኻዊ ዕንወት ዝዕቅን እዩ ። እቲ መቐቀኒ ንናህሪ ኑክሌሳዊ ሓይልታት ፡ ሩስያ ፡ ቻይናን ኣመሪካን ፡ ንኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይምቍጽጻር ፡ ኣብ ዩክረይንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን አሎ ግጭታት ፡ ዛዕባ ኤ--ኣይ ዘሎ ጭንቀት ኣብ ግምት ኣትዮም እዮም እታ ናይ ምቕራብ ምጽ ኣት ሰዓት ኣቀላጢፎማ ዘለዉ። ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ ፡ ነታ ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢታት ጎደል ገይርዋ ኣሎ ። እዚ ካብቲ ዓሚ እተመደበሉ ብኣርባዕተ ካልኢት ሎሚ ቀሪቡ ኣሎ ።
Share



