ለተሰንበት ግደይ ውድድር ክትመርሕ ውዒላ ኣብ ኣፈፈት ዓወት ወዲቓ፣ ብሓገዝ ሰብ ደው ስለዝበለት ውጽኢታ ተሰሪዙ

Bathurst Rahel Letesenbet Getty.jpeg

Credit: Getty

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት: * ሻምፒዮናታት ጉያ እግሪ መሮር ኣትለቲክስ ዓለም ኣብ'ዚ ኣብ ባተርስት፡ ኣውስትራልያ፡ ተኻይዶም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ጾታታት ብሩር መዳልያ ተዓዊቶም፣ ለተሰንበት ግደይ ግን ምሉእ መዓልቲ ክትመርሕ ውዒላ ኣብ ጥቓ መዛዘሚ መስመር ወዲቓ ክትስእ እንከላ ሰብ ስለዝሓገዛ ውጽኢት ከየመዝገበት ተገሊፋ፣ * ኢትዮጵያዊ ለመቻ ግርማ ኣብ ለቪን፡ ፈረንሳ፡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ውሽጢ ኣዳራሽ ን25 ዓመታት ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረወሰን 3000ሜ ሓምሺሽዎ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ግጥማታ ኣንጻር ጊኒ ንመጻረዪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 (ኣፍኮን) ኣብ ሞሮኮ ከተካይዶም ምዃና ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጋና ዝተዛዘመ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ 2023 ተዓዊቱ ንኻልኣይ ግዚኡ ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ * ዙር ሩዋንዳ 2023 ከኣ ሰንበት ተጀሚሩ፣ ሄኖክ ንኡድ ውጽኢታቱ ብምቕጻል ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ሳልሳይ ክወጽእ እንከሎ ክልተ ካልኦት ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ዝለዓሉ 10 ደረጃታት ወዲኦም፣



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service