"መራሕቲ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳን ኢትዮጵያን ብመንጽር ተርእዮ'ዚ ለበዳ ብቑዕ መሪሕነት ከርእዩ እንከለው ኣብ ኤርትራ ግን ኣመና ቦኺሩ ንረኽቦ።"

Prof Awet Weldemichael of Queens University

Source: Facebook

ፕሮፌሰር ዓወት ወልደሚካኤል ኣብ ኲንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ካናዳ፡ መምህር ታሪኽን አብ ፖለቲካን ጸጥታን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ዘካይድን'ዩ። ንጽልዋ ለበዳ ኪቪድ19ን ኣንጻሩ ዝካየድ ቃልሲን ኣብ ልዕሊ ተቐባልነት መራሕቲ ዓለምን ስርዓታቶምን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ በርገሳዊ ምንቅስቓሳትን ሞያዊ ማሕበራትን ዝፈጠሮ ኩነታት ትንተና ክህበና'ዩ። * ንምኳኑ ፕረዚደንት ኤርትራ ንምንታይ ንቃልሲ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ19 ብመሪሕነት ኣብ ቅድሚት ወጺኡ ዘይሓዞ፧ * ነዚ ዘይንቡርን ከቢድን ኩነታት ክምክትዎ ካብ ፈለምኡ ድሌት ዘርኣዩን ቀዲሞም ዝተዋፈሩን መራሕቲ ዞባና ኣየኖት’ዮም፧ እቶም ከይፈተው፡ ክብደት ናይ’ቲ ክስተት ተረዲእዎም ወይ ንኻልኦት ሃገራት ርእዮም ዝነጠፉ ኸ ኣየኖት’ዮም፧ * ኣብ መንጎ መራሕቲ ዞባና ኣብ ድሌትን ተበግሶን ቃልሲ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ19 እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ መኖም ዝያዳ ይነጥፍ ኣሎ፧ * ኣብ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ጎስጓሳት ይካየዱ ኣለው፡ ብመንግስቲ ዝካየድን ብዝተፈላለያ ሞያውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት ተበጊሱ ዝካየድ ዘሎን። ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ፧ ነታ ሃገርን ህዝብን ይጠቅም'ዶ፧



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service