"መራሕቲ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳን ኢትዮጵያን ብመንጽር ተርእዮ'ዚ ለበዳ ብቑዕ መሪሕነት ከርእዩ እንከለው ኣብ ኤርትራ ግን ኣመና ቦኺሩ ንረኽቦ።"

Source: Facebook
ፕሮፌሰር ዓወት ወልደሚካኤል ኣብ ኲንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ካናዳ፡ መምህር ታሪኽን አብ ፖለቲካን ጸጥታን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ዘካይድን'ዩ። ንጽልዋ ለበዳ ኪቪድ19ን ኣንጻሩ ዝካየድ ቃልሲን ኣብ ልዕሊ ተቐባልነት መራሕቲ ዓለምን ስርዓታቶምን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ በርገሳዊ ምንቅስቓሳትን ሞያዊ ማሕበራትን ዝፈጠሮ ኩነታት ትንተና ክህበና'ዩ። * ንምኳኑ ፕረዚደንት ኤርትራ ንምንታይ ንቃልሲ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ19 ብመሪሕነት ኣብ ቅድሚት ወጺኡ ዘይሓዞ፧ * ነዚ ዘይንቡርን ከቢድን ኩነታት ክምክትዎ ካብ ፈለምኡ ድሌት ዘርኣዩን ቀዲሞም ዝተዋፈሩን መራሕቲ ዞባና ኣየኖት’ዮም፧ እቶም ከይፈተው፡ ክብደት ናይ’ቲ ክስተት ተረዲእዎም ወይ ንኻልኦት ሃገራት ርእዮም ዝነጠፉ ኸ ኣየኖት’ዮም፧ * ኣብ መንጎ መራሕቲ ዞባና ኣብ ድሌትን ተበግሶን ቃልሲ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ19 እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ መኖም ዝያዳ ይነጥፍ ኣሎ፧ * ኣብ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ጎስጓሳት ይካየዱ ኣለው፡ ብመንግስቲ ዝካየድን ብዝተፈላለያ ሞያውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት ተበጊሱ ዝካየድ ዘሎን። ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ፧ ነታ ሃገርን ህዝብን ይጠቅም'ዶ፧
Share