SKIP TO MAIN CONTENT

Embatkala: Ground Zero for Unhinged Power Abuse

SBS
SBS

ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣብ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት እምባትካላ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ብመራኸብታት ብዙሓን ኤርትራ ተቓሊሑ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ዕላማ ናይቲ ካብ 17-19 መስከረም እተቓንዐ ኣኼባ፡ ምምሕያሽ ምምሕዳርን ምሕደራን ዝሕመረቱ ምእዘናን ስልጠናን ኣመሓደርትን ሓለፍትን ግንባር ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ዝርዝራት ናይቲ ኣኼባ ከም ወትሩ ንህዝቢ ብግሉጽ መንገዲ እንተ ዘይቀረበኳ፡ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ እተኸፈተ ኣፈናዊ እተበሃለሉ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ዝጀመረ ዳግመ-ውደባን ምደባን ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ታሪኽ ምምዛዝን ምእላይን ሰበ-ስልጣን ብኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ካብ እግሪ ተኽሉ ዕቱብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ምቍጽጻር ዘንገሰ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንውልቃዊ ናጽነት ዚኸውን ቦታ ኣይፈቐደን።

Published

Updated

By SBS Tigrinya

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣብ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት እምባትካላ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ብመራኸብታት ብዙሓን ኤርትራ ተቓሊሑ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ዕላማ ናይቲ ካብ 17-19 መስከረም እተቓንዐ ኣኼባ፡ ምምሕያሽ ምምሕዳርን ምሕደራን ዝሕመረቱ ምእዘናን ስልጠናን ኣመሓደርትን ሓለፍትን ግንባር ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ዝርዝራት ናይቲ ኣኼባ ከም ወትሩ ንህዝቢ ብግሉጽ መንገዲ እንተ ዘይቀረበኳ፡ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ እተኸፈተ ኣፈናዊ እተበሃለሉ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ዝጀመረ ዳግመ-ውደባን ምደባን ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ታሪኽ ምምዛዝን ምእላይን ሰበ-ስልጣን ብኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ካብ እግሪ ተኽሉ ዕቱብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ምቍጽጻር ዘንገሰ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንውልቃዊ ናጽነት ዚኸውን ቦታ ኣይፈቐደን።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now