ጉዳይ ክታበት ኮቪድ-19 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ከይሳተፉ ጌሩ፣ ማሜሎዲ ሳንዳውንስ ንኣጥቃዓይ ኢትዮጵያ ኣቡበከር ናስር ትፍትኖ

Abubeker Nasir of Ethiopia

ኣጥቃዓይ ኣቡበከር ናስር ምስ ጋንታ ማሜሎዲ ሳንዳውንስ ክጽንበር የቋምት Source: Twitter

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (31/01/2022) * ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ጠለባት ክታበት ኮቪድ-19 ከተማልእ ብዘይምኽኣላ ኣብ ዓመታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሩዋንዳ ኣይክትሳተፍን’ያ፡ * ዙር ፈረንሳን ካልኦት ስፖርታውያን ውድድራትን ወሲኻ ፈረንሳ ኣብ ሃገራ ክታበት ዘይወሰዱ ኣትሌታት ክወዳደሩ ከምዘይተፍቅድ ገሊጻ፡ * ውድድራት ጉያ እግሪ መሮር ኣብ ኤውሮጳ ቀጺሎም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ይዕወቱ፡ * ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ጋንታ ኢትዮጵያ ቡናን ኣቡበከር ናሲር ኣሕመድ ምስ ሻምፒዮን ደቡብ ኣፍሪቃ ጋንታ ማሜሎዲ ሳንዳውንስ ክጽንበር ተስፋ ብምግባር ናይ ክልተ ሰሙን መፈተኒ ልምምድ የካይድ ከምዘሎ ተገሊጹ፡ * ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ኣብ መንጎ’ቲ ግጥማት ኩ’እግሪ ዋንጫ ዓለም ኣብ ከክልተ ዓመታት ክካይድ ዝወጠኖ መደብን ዘሕዝን ኣጋጣሚታት ምጥሓል ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታትን ምትእስሳር ከምዘሎ ከመልክት ብምፍታኑ ካብ ብዙሓት ወገናት ነቐፌታት ይመጾ’ሎ፡



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ጉዳይ ክታበት ኮቪድ-19 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ከይሳተፉ ጌሩ፣ ማሜሎዲ ሳንዳውንስ ንኣጥቃዓይ ኢትዮጵያ ኣቡበከር ናስር ትፍትኖ | SBS Tigrinya