ድምጺ ኤርትራ ብዝብል ስም ብመስመር 3CR ዝመሓላለፍ ብቛንቋ ዓረብ፥ አንግሊዝን ትግሪኛን ራዲዮ ኣብ መልበርን ወትሩ ሰኑይ ካብ ሰዓት 6:30 ክሳብ ሰዓት 8 ናይ ሚሸት ዝተፈላለዩ መደባት ንነበርቲ መልበርንን ከባቢኣን የቕርብ። እዚ ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ዝጀመረ ናይ ረዲዮ ፕሮግራም መበል 19 ዓመቱ ብወለንታዊያን ስርሑ ከሳልጥ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝገበሮም ዓበይቲ መደባት ዘንጸባርቕ ብስእሊ ዝተደገፈ ሰነዳዊ መጽሓፍ ኣመሪቑ።
Share






