ኣብ ሰሜን ከተማ መልበርን ዝነብሩ ኤርትራውያን-ኣውስትራልያውያንን ኤርትራውያንን ስፖርታዊ ንጥፈታትን መግብታትን ዘለዎ ዓቢይ ምትእኽኻብ ኣካይዶም

EFHN Credit: SBS Tigrinya
ኣብ’ዚ ኣብ ከተማ መልበርን፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ዛ ከተማ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣውስትራልያውያንን ኤርትራውያንን ቀዳም ብዙሓት ዕዱማት ዝተረኽብሉ ስፖርታዊ ንጥፈታትን መግብታትን ዝሓዘ ዓቢይ ምትእኽኻብ ኣካይዶም። ነዚ ምትእኽኻብ ዘወሃሃደ ማሕበር ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣብ ህዩምን ሰሜንን (Eritrean Families in Hume and North - EFHN) እዩ። ቀዳም ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየዱ ናይ ዝጸንሑ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ህጻናት ትሕቲ 13ን መንእሰያት ልዕሊ 14ን መዛዘሚ ተኻይዶም። ንተዓወትቲ’ውን መተባብዒ ስልማታትን ዋንጫታትን ተዓዲሎም።
Share