Source: Twitter (Tour of Rwanda)ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/05/2021) * ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ዝድነቕ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ዙር ሩዋንዳ ኣብ ዝተዛዘመሉን ጂሮ ድ’ኢታልያ ኣብ ዝተጀመረሉን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብብዝሒ ዝሳተፍሎም መድረኻት ኮይኖም፡ * ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ጎሊሓ ትረአ ሓያል ትኸውን ኣላ ክብል ሓደ ፍሉጥ መርበብ ሓበሬታ ዘይዘተዘርበሎም ጀጋኑ ዙር ኢጣልያ ኣብ ዝብል ንኣማኑኤል ገ/ሄር መጻኢ ኣብ ሓፈሻዊ ምድባት ክወዳደር ዝኽእል ተውህቦ ዘለዎ ተቐዳዳማይ ብምባል ሓደ ዓምዲ ኣውጺኡ፡ * ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ኮኾብ ኩዕሶ ሰኪዐት ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኣውስትራልያ ኣብ ስእልታት ናይ’ታ ናብ ኦሎምፒክ ትገይሽ ሃገራዊት ጋንታ ጸዓዱ ዝዓብለልዎ ብምግባሩ እዚ ተርእዮ እንተዘይተቐይሩ ናብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ከይትኸይድ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/05/2021) * ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ዝድነቕ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ዙር ሩዋንዳ ኣብ ዝተዛዘመሉን ጂሮ ድ’ኢታልያ ኣብ ዝተጀመረሉን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብብዝሒ ዝሳተፍሎም መድረኻት ኮይኖም፡ * ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ጎሊሓ ትረአ ሓያል ትኸውን ኣላ ክብል ሓደ ፍሉጥ መርበብ ሓበሬታ ዘይዘተዘርበሎም ጀጋኑ ዙር ኢጣልያ ኣብ ዝብል ንኣማኑኤል ገ/ሄር መጻኢ ኣብ ሓፈሻዊ ምድባት ክወዳደር ዝኽእል ተውህቦ ዘለዎ ተቐዳዳማይ ብምባል ሓደ ዓምዲ ኣውጺኡ፡ * ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ኮኾብ ኩዕሶ ሰኪዐት ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኣውስትራልያ ኣብ ስእልታት ናይ’ታ ናብ ኦሎምፒክ ትገይሽ ሃገራዊት ጋንታ ጸዓዱ ዝዓብለልዎ ብምግባሩ እዚ ተርእዮ እንተዘይተቐይሩ ናብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ከይትኸይድ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ