ኣበርክቶ እሱራት ጋዜጠኛታት ኤርትራ (ቀዳማይ ክፋል)

Feature

Source: Pen Eritrea

ድሕሪ ምኽፋት ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታትን እሱራት ፖለቲካ ክትፈትሕ ተራእያ። ኣብ ኤርትራ ግና እዚ መስርሕ ኣይተንጸባረቐን። ሓደ ካብቲ ኤርትራ ዓመት መጸ ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እትሕተተሉ ነገር ድማ፡ ጉዳይ ነጻ ፕረስ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቶም ብዘይ መስርሕ ፍርዲን ሃለዋት ምፍላጥን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ን 17 ዓመታት ተኣሲሮም ዝርከቡ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት እዩ። ምስ ምርሓው እዚ ሓዲሽ ኩነታት እዞም ጋዜጠኛታት ምስ ካል ኦት እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ትጽቢት ተገይሩ ኔሩ። እዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት እንትርፎ ስሞምን ብዝሖምን ንኣበርክቶኦም ዝምልከት ክቐርብ ኣይተሰምዐን። በዚ ምኽንያት ምስ ፐን ኤርትራ ብምትሕብባር፡ መንነትን ኣበርክቶን ናይዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ሰለስተ ክፋል ቀሪቡ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይ ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ብምጥዋቕ ክስማዕ ይከኣል እዩ።



Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now