ሓጺር ሌላ ምስ እሱራት ጋዜጠኛታት ኤርትራ (ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

Source: Pen Eritrea
እዚ መደብ ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል ናይቲ ምስ ፐን ኤርትራ ብምትሕብባር ዝግበር ዘሎ ሓጺር መላልዪ መደብ’ዩ። ጋዜጣታት ብሕቲ ኤርትራ ብ18 መስከረም 2001 ድሕሪ ምዕጻወን᎓ ኣብ ዝሰዓበ ሓሙሽተ መዓልታት ኣትሒዙ ሃድን ጋዜጠኛታት ብሕቲ’ዩ ቀጺሉ። ኣብቲ ድሕሪ ምዕጻው ዝሰዓበ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ቀዳማይ ዙር ንዓሰርተ ጋዜጠኛታት ዝዓለመ ሃድን ክኸውን ከሎ᎓ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ንጸሓፍቲ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)ን እድሪስ ሰዒድ (ኣባ-ዓረን) ስዒቦም። እንሆ 17 ዓመት ኰይኑ እምበር እዞም 12 ጋዜጠኛታት ብሕትቲ᎓ ምስቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ደሃይ የብሎምን። ኣብ ዝቐድመ ክልተ ክፋላት ሓጺር መላልዪ ምስ ጋዜጠኛታት ማቲዎስ ሃብተኣብ᎓ መድሃኔ ሃይለ᎓ ዳዊት ሃብተሚካኤል᎓ ኣማኑኤል ኣስራት᎓ ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሽዋ)᎓ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)᎓ ስዒድ ዓብደልቃድርን እድሪስ ሰዒድ (ኣባ-ዓረን) መላልዪ ጌርና ኔርና። ንሎሚ ከኣ ካልኦት ኣርባዕተ ከነላሊ ኢና። ምስ ጽበት ግዜ እዚ ጽሑፍ ተጸሚቝ ይቐርብ ስለ ዘሎ᎓ ብምሉኡ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ማሕበር᎓ www.peneritrea.com ምውካስ ይከኣል።
Share



