Source: SBS Tigrinyaመራሒ ናዕቢ መናእሰይ ኦሮሞ ቄሮ ጃዋር መሓመድ ምስ ኣመራርሓ ህወሓት ክዘራረብ ከም ዝደሊ ገሊፁ። መገዲ ኣየር ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ በረራ ብወግዒ መሲሱ። 56 መዛግብቲ ክሲ ክቋረፅ ከምዘተገበረ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ስነ-ስርዓት ብስራት ዕርቀ ሰላም ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተኻይዱ። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ “ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብ ካብ ኣተሓሳስባ ወይ ኣካይዳ እስልምና ወፅኣ ኢያ” ኢሎም ብዝብል መራኸብቲ ሓፋሽን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ክቀባበልኦ ዝፀንሓ ሓበሬታ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ዝጎድእ ኣይኮነን ክብል ሚንስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ መግለፂ ዘርጊሑ፡፡
መራሒ ናዕቢ መናእሰይ ኦሮሞ ቄሮ ጃዋር መሓመድ ምስ ኣመራርሓ ህወሓት ክዘራረብ ከም ዝደሊ ገሊፁ። መገዲ ኣየር ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ በረራ ብወግዒ መሲሱ። 56 መዛግብቲ ክሲ ክቋረፅ ከምዘተገበረ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ስነ-ስርዓት ብስራት ዕርቀ ሰላም ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተኻይዱ። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ “ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብ ካብ ኣተሓሳስባ ወይ ኣካይዳ እስልምና ወፅኣ ኢያ” ኢሎም ብዝብል መራኸብቲ ሓፋሽን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ክቀባበልኦ ዝፀንሓ ሓበሬታ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ዝጎድእ ኣይኮነን ክብል ሚንስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ መግለፂ ዘርጊሑ፡፡