ከተማ ኣስመራ ድምጺ ነትጒ ተሰሚዑ፡ ኣብ ትግራይ ፋብሪካታት ተወቒዑ፡ እቲ ኲናት ናብ ሰፊሕ ቦታታትን ክንዮ ዶብ ኢትዮጵያን ሰጊሩ።

Source: Tigray Media
ኣብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ፡ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ሓያል ነትጒ ከምዝተሰምዐ ነበርቲ እታ ከአተማ ኣረጋጊጾም። ዛጊት መንግስቲ ኤርትራ መግለጺ እንተዘይሃበሉኳ፡ ድሕር’ቲ ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን መጥቃዕቲ ፈጺመ ዝበሎ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ወሃቢ ቃል ናይ ትግራይ ሰንትራል ኮማንድ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኔሩ። "ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዝርከቡ ዝተፈልዩ ከባቢታት ዒላማ ጌርና ብሚሳይል ሃሪምና ኢለና። ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ብተመሳሳሊ'ውን ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ካልእ ከባቢን ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ንምምካን ብሚሳይል ክንወቅዕ ኢና።” ብዘይካዚ ናይ ክልል ትግራይ ፕረሲደንት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሓዱሽ ፋብሪካ ልማዓት ሽኮር ወልቃይት ውን ብነፈርቲ ተደብዲቡ ክብል ገሊጹ ኣሎ። ዝርዝር ናይቲ መግለጺኡ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።
Share