ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ትሳተፍ ከም ዘላ ኣሜሪካ ክትግንዘብ ከምዝኸኣለት ተገሊጹ።

Members of the United Nations High Commissioner for Refugees (UNHCR) monitor the distribution of food rations at Um Rakuba refugee camp. Source: EPA Source: EPA
ጽሟቕ ዜናታት፥ ናብቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንምርኣይ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ውሕሃ ተኹሲ ከም ዝኸፈተሎምን ከም ዝኣሰሮምን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሚኑ። ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ትሳተፍ ከም ዘላ ኣሜሪካ ክትግንዘብ ከምዝኸኣለት ተገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ማይካድራ ዝተፈጸመ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ናይ ደገ መርመርቲ ከጻርዩዎ ከም ዘየፈቅድ ኣፍሊጡ። ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ዘለዉ ተጋሩ፡ ብዕጡቓት ዝወረዶም ግፍዒ ንማዕከናት ዜን ይገልጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ሰብ መዚ ኤርትራ ናብ ሱዳን ኣምሪሖም።
Share