ብሊቃነ መናብርት አርባዕቲኦም ውድባት ማለት አቶ ሀይለ ማርያም ደሳለኝ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሊቀ መንበር ውድብ ደህዴን ካብ ደቡብ፣ አቶ ደመቀ መኮነን ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ሊቀ መንበር ውድብ ብኣዴን ካብ አምሓራ፣ ዶ.ር ደብረ ፅዮን ገብረ ሚካኤል ሚንስትር ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ሊቀ መንበር ውድብ ህወሓት ካብ ትግራይ፣ አቶ ለማ መገርሳ ፕረዝደንት ክልል ኦሮምያ ሊቀ መንበር ውድብ ኦህዴድ ካብ ኦሮም፣ ብሓንሳብ ኮፍ ኢሎም ንህዝቢ ዝገለፁዎ ናይ ጣዕሳ፣ ንሳሃን መፅበዓን መደረ፡-
ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ወድብ ናይ ኢትዮጵያ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ኢህወደግ አብዚ 5 ዓመት ደርገፍገፍ
አብዚሑ ካብ ዝበሃል ፀኒሑ አሎ፡፡ ድሕሪ መስዋእቲ ናይ ነዊሕ እዋና መራሒኡ ቀዳማይ ሚንስትር ነበር አቶ መለስ ዜናዊ
ሙኳኑ እዩ፡፡ አብዚ ዘለናዮ እዋን ካብቲ ካልእ ግዜ ብዝሓየለ መልክዑ ብሰንኪ ዘይውሕሉል አመራርሓ እቲ ውድብ
ኢትዮጵያ ናብ ቅልወላዉ ተምርሕ ኣላ ዝብሉ ሓበሬታታት እናፀዓቑ ብምምፅኦም ኢህወደግ አብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎዉ አማራፂታት አቕሪብና ሃገርና ክነድሕን ኢና፡፡ ቤት ማእሰርቲ ማዕከላዊ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክሽጎር እዩ፡፡ አብቲ ቦታ ዝተፈፀመ በደል ንከይድገም ሙዝየም ክንገብሮ ኢና፡፡ ብፖሊቲካ ዝተፈርዱ ሰባት ክፍትሑ ክሲ ዝተሰረተሎም ከዓ ክሶም ክድምሰስ እዩ፡፡ ትካላት ዴሞክራሲ ክነተርንዖም ኢና፡፡ ብሰንኪ አብ ውሽጥና ዘሎ ስንፍና ህዝቢ ስለ ዝተበደለ ካብ ልባዊ ጣዕሳ ይቕሬታ ንሓትት ዝብሉን ካልኦት ብዙሓት ጣዕሳታት፣ ንሰሃታት መፀብዓታት አብዚ ቅንያ አቕሪቡ አሎ፡፡ እዚ ኑዛዜ ናብ ልቢ ኢትዮጵያውያን ይሰርፅ ዶ ወይስ ይዕንቅፅ አሎ፡፡
ቅድሚ 3 ዓመት ብ2007 ዓ.ም ከም አ.ኢ ዝተኻየደ ምርጫ 100% በዓወት እቲ ግንባር ድሕሪ ምብሓቱ እቲ ዓወት መንፈቕ ከይመልኦ ወጥርታት እናሓየሉ ናብ ናዕቢ ዝተቐየሩሉ እዋን ምንባሩ ይዝከር፡፡ በበይኖም መልክዓት ሕቶታት ሒዙ ካብ ኦሮምያ ናብ አምሓራ ናብ ትግራይ ድሕሪ ምዝማት ቐፂሉ ናብ ዓሌታዊ ጎንፅታት እናተለወጠ አብ ሞንጎ ክልላት አምሓራን ትግራይን አምሓራን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ተዛሚቱ፡፡ አብ መወዳእታ አብቲ ክሳብ ብቅድሚ ክልተ ሰሙናት ዝቐፀለ ጎንፂ ክልላት ኦሮምያ ናይ ኢትዮጵያ ሱማሌ 120ሽሕ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድምኦም ህፃናት፣ 20ሽሕ መጥወብትን ነብሰ ፁራት አዴታት ዝርከቡዎም 600 ሽሕ ሰባት አመዛቢሉ፣ ብዙሕ ህይወት ቐጢፉ ስድራቤታት በታቲኑ ይርከብ፡፡ እዚ ቁፅሪ አዲስ አደማስ ዝተብሃለ ጋዜጣ ብሕቲ ኢትዮጵያ ንዩኒሴፍ ጠቒሱ ዘውፅኦ እዩ፡፡
መንቀሊ እቲ ናዕቢ ኩሉ ስልጣን ብኢህወደግ ብምጥቕላሉ አብ ውሽጢ እቲ መንግስቲ ዝተዓኹለሉ ሓሳባት ናብ ደገ ዝነፅግ ወይ ከዓ ናይ ደገ ሓሳባት ናብ ውሽጢ መሓውር መንግስቲ ዝፅምብር ተቓዋሚ ውድብ ዘይምህላዉ ምስተደጎለ ዝተኸሰተ እዩ ይብሉ ነቲ ኩነታት ብአቓልቦ ዝተመልከቱ አካላት፡፡ ካልኦቶም ከዓ ኢህወደግ ምስ አድማስ ፍልጠት ሓዱሽ ወለዶ ኢትዮጵያ ን ሓደሽቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብዝመጣጠን ዓቕሚ ተዳልዩ ዘይምፅንሑ ዘጋጠመ እዩ ይብሉ፡፡ አብ መንቀሊኡ ብዙሓት አካላት ዝዋስእሉ እኳ እንተኾኑ አብ ውሽጢ ካብ ኢህወደግ ዝፍልፍሉ ፀገማትን መትረብ እቶም ፀገማት እናግፍሑ ነቲ ስርዓት ንምእላይ ናይ ዝደልዩ ግዳማውያን ሓይልታት ግደ ብቐንዱ ተጠቐስቲ ከም ዝኾኑ አብ ውሽጢ ሕብረተ ሰብ ብሰፊሑ ይዝረብ፡፡
ነቲ ቅልውላው መፍትሒ ንመቕማጥ ኢህወደግ አብ አርባዕቲኦም መሓውራት ውድባቱ አብ በቢ ክልላቶም ክገማገሙ
ድሕሪ ምግባር ከም ሓደ ግንባር ን17 መዓልታት ቤት ዓፅዩ ካብ ዘቃንዖ ዋዕላ ኩሎም እቶም ፀገማት ካብ ውሽጡ ከም
ዝፍልፍሉ ዋላ እቶም ግዳማውያን ሓይልታት ዝነዝሑዎም ወረታት ፅልኢ ብግቡእ ዘይምእላዩ ዝተኸስቱ ምኳኑ ሓለፍነት
ከም ዝወሰደ ብመንገዲ አርባዕቲኦም ሊቃነ መናበርቲ መስረትቲ እቲ ውድብ አብራህሪሁ አሎ፡፡ አብዚ አብ ታሪኽ ኢህወደግ ንፈለማ እዋን ዝተርኣየ ዝተብሃለ ብሊቃነ መናብርት አርባዕቲኦም ውድባት ማለት አቶ ሀይለ ማርያም ደሳለኝ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሊቀ መንበር ውድብ ደህዴን ካብ ደቡብ፣ አቶ ደመቀ መኮነን ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ሊቀ መንበር ውድብ ብኣዴን ካብ አምሓራ፣ ዶ.ር ደብረ ፅዮን ገብረ ሚካኤል ሚንስትር ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ሊቀ መንበር ውድብ ህወሓት ካብ ትግራይ፣ አቶ ለማ መገርሳ ፕረዝደንት ክልል ኦሮምያ ሊቀ መንበር ውድብ ኦህዴድ ካብ ኦሮም፣ ብሓንሳብ ኮፍ ኢሎም ንህዝቢ ዝገለፁዎ ናይ ጣዕሳ፣ ንሳሃን መፅበዓን መደረ፡-
ካብ እቲ ብደርጊ ማእኸል ስቓይን መከራን ሰባት ኮይኑ ዘገልገለ ማእኸል ቤት ማእሰርቲ ማእኸላዊ ዓፅዮም ንሙዝየም ክውዕል ምግባር ክሳብ ብፖለቲካ ዝተኸሰሱን ዝተኣሰሩን ሰባት ምፍታሕ፡፡
ካብ ነቶም ዝተፈጠሩ በደላት ንባዕሎም ተሓተትቲ ምግባር ክሳብ ንሕቶታት መናእሰይ ሕቖኦም ሰይሮም ንምስማዕ ቅሩባት ከም ዝኾኑ ምምፅባዕ፡፡
ተቓወምቲ ውድባት ሓንካሊ ካብ ምኳን ማእገር ንምኳን ቃል ካብ ምእታው ሳብ አብ ትሕቲ ሰማይ ዘለዉ መማረፅታት ሰላም ክንጥቀም ኢና ንምባል በፂሖ አለዉ፡፡
ንጣዕሳ፣ ንስሃን መፅበዓታትን ኢህወደግ ስዒቡ ማእለያ ዘይብሎም ግብረ መልሲታት ዝተፈላለዩ ክፍሊታ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ትካላት ትካላት ዓለምን አብ ምወሓዝ ይርከቡ፡፡
አብ ኢትዮጵያውያን ዝንፀባረቑ ዘለዉ ግብረ መልስታት ብጥሙር ርድኢት አብ ክልተ ተፃረርቲ ኩርናዓት ዝተቐመጡ እዮም፡፡ ኢህወደግ ብፈተና ዝሓለፈ ውድብ እዩ ካብ ጌጋኡ ይመሃር ዝብሉን ሃገር ናብ ቅልውላው ዘእተወ ስርዓት ስለዝኾነ ስልጣን ናብ ህዝቢ የረክብ ዝብሉን፡፡
አብቲ ቀዳማይ መማረፂ ዝስለፉ ክፍሊታት ሕብረተ ሰብ ኢህወደግ አብ ቅድሚት ሃገርና ዝተገተሩ ፀገማት ንምእላይ ጌጋኦም ምእማኑ ቅድሚ ሕጂ ግዳማውያን ሓይልታት ዝፈጠሩዎ ፀገም እዩ ዘይምባሉ እቲ ፀገም ብምጉናፉ ምጥዓሱ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይቕሬታ ምሕታቱ ሓላፍነት ምውሳዱ ተሓታታይ እየ ምባሉ ነቲ ጌጋ ንምዕራይ አብ ቅድሚ ህዝቢ ምምፅብዑ አብ ኢህወደግ ዘይተለምዱ ብምንባሮም ካብ ጌጋኡ ክመሃር ክዕሪ ተስፋ ከም ዘለዎም ይገልፁ፡፡
አብደንበተቓውሞዝተሰለፉክፍሊታትሕብረተሰብከዓ ኢህወደግ ናይቲተፈጢሩዘሎፀገምተሓተትቲውልቀሰባትሸፋፊኑዘቕረበ ንቲአትዩዎዘሎመፅብዓውሕስናዘይሃበእዩዝብልቅዋምአለዎም
መግለፂ ኢህወደግ እዉን ተሓታታይ ውልቀ ሰብ ዘየነፀረ ገበነኛ ናብ ሕጊ ከይቐርብ ዝከላኸል ነቲ ዝተወለዐ ጎንፂን ሳዕቤናትን ዘይምጥን ሃገራዊ ምርድዳእ ንምስላጥ ዝተኣተወ መፅብዓ ካብ ዘረባ ዘይሓልፍ ተፃረርቲ ሓሳባት ንምትእንጋድ ድልውነቱ ዘጠራጥር
አብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝምልከት ዓፈና ክቕፅሉሉ ከም ዝደሊ ዝእንፍት ናይ ኢትዮጵያ ፀገም ዘየገናዘበ ገለ ፅቡቓት ሓሳባት ዝሓዘለ እካ እንተኾነ ንዴሞክራሲያዊያን መሰላትን መድብለ ፓርቲ ብዝግባእ አቓልቦ ዘይሃበ ቅድም ብፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሸመ ዝኣተዎ መፅብዓ ናፅነት ተቓወምቲ ውድባት እውን አብ ግብሪ ዘየውዓለ
ብሙኻኑ ብጀካ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብን ሓዱሽ መንግስቲ ምርካብን ካልእ ተስፋ ከም ዘይገብሩሉ ይዛረቡ፡፡ እቶም ንብዙሕ ዓመታት አብ አተሓሕዛ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት አመልኪቶም ንኢህወደግ ተሪር ወቐሴታ ዘቕርቡ ከም በዓል አመስቲ ኢንተርናሽናልን ሂውማን ራይትስ ዎችን ብግዲኦም እቲ ብሽም ምርመራ ማእኸል ቃንዛ ዝነበረ ቤት
ማእሰርቲ ማእኸላዊ ንምዕጻዉ ሃገራዊ ምርድዳእ ንክዓስል ፖለቲከኛታት ንምፍታሕ ዝተኣትወ መፅብዓ ንኢዶም አብ ተግባር ክውዕል ሓቲቶም፡፡ በዝሒን መንነትን እቶም ናፃ ዝበሃሉ ፖለቲከኛተታን መዓዝ ከም ዝፍትሑን ንፁር ስለዘይኮነ ብህፁፅ ነፂሩ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ፀዊዖም፡፡ ሕብረት አፍሪካ ብግዲኡ ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካ አርሒቕካ ናይ ምስትውዓል ስጉምቲ እዩ ብምባል ነቲ ውሳኔ ንኢዱዎ፡፡
ክብደትኢህወደግእናሓደረንምንተይፎኺሱ
ኢህወደግ አብ መዋእሉ ርእዩዎ ዘይፈልጥ ምምዝባል ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ዜጋታት ንክኽሰት፣ ንተኸታተልቲ 3 ዓመታት ናዕቢ ክቕፅልን ካልኦት ፖለቲካዊ ክሳራታት ከጋጥሙ ቀንዲ ምኽንያት አብ ውሽጡ ዝተፈጥረ ነቓዕ ዘእተዎ ንፋስ ከም ዝኮነ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ይስማዕምዕሉ፡፡ ሕጂ ደኣ ብሽም ፖለቲካ ዝኣሰሮም ሰባት ክፈትሕ መን አገደዶ ንዝብል ጉዳይ ንምርኣይ ኢህወደግ ድሕሪ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሮ ባህሪይ ግድን ይኸውን፡፡
ካብ መሪሕነት ስልጣን ዝጨበጠሉ 1983 ዓ.ም ከም አ.ኢ ክሳብ 1993 ኩናት ኢትዮ ኤርትራ አብ ዝነበረ እዋን በዝሒ ዝተምሃረ አብ ዘይነበረሉ እዋን ናፅነት ምዝራብ፣ ምውዳብ፣ ናፅነት ፐሬስ፣ ሓዊሱ ካልኦት ባእታት ዴሞክራሲ ካብቲ ናይ ሕጂ ብተነፃፃሪ ናፅነቶም ዝተሓለወ ምንባሩ ተቓወምንትን ደገፍትን ዝስማምዑሉ ነጥቢ እዩ፡፡ ሽዑ ውድብ ህወሓት አብ ውሽጢ ኢህደግ ቀንዲ ተዋሳኢት እዋን ዝነበትሉ እዩ፡፡ እቲ እዋን ህወሓት ብሓይሊ ብረታዊ ቃልሲ ዓንኬል ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንምዕታር ካብ ዝተበገሰትሉ ዓወት እናዋህለለቶም ዝፀንሐት ልምድታት ን ፀባያት ፐለቲካ ኢትዮጵያ አለልያ ንተፃባእታ ብሓይልን ብወዝብን ካብ ምእላይ ክሳብ ናይ አርባዕተ ውድባት ጥሙር ግንባር ኢህወደግ ምፍጣር፡፡ ከምኡ እውን ቀንዲ ሃገራዊ ዋኒናት አብ መቐለ አብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ተሓንፂፆም ናብ ናብቶም ካልኦት ኣባላት ውድብ ኢህወደግ ተዘርጊሖም ናብ ስራሕ ክውዐሉ ምግባር ትነጥፍ ምንባራ አብቲ እዋን ነቲ ውድብ ቀረባ ዝነበሩ ፀሓፍቲ ዝሰነዱዎም ፅሑፋት ይምስክሩዎ፡፡ እንተኾነ ብ1993 ዓ.ም አብ እዋን ኲናት ኢትዮጵያ ን ኤርትራን አብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ካብ ናይ ህወሓት መሪሕነት ኪሳራ ክሳብ ለማጻት ሰባት አብ ውሽጢ ህወሓትን ኢህወደግን ክግውዱ ጥጡሕ ባይታ ከም ዝፈጠረ
ይዝረበሉ፡፡ እቲ ምግምማዕ ትግራይ ከምቲ አብ ፈለማ ዝነበረቶ ጉዕዞ ለውጢ ንከይትስጉም ካብ ምሕንካል ክሳብ እዚ ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካ ኢትዮጵያ መበገሲ ከም ዝነበረ ንተጋሩ ሓዊሱ ብዙሓት ምሁራት ይዛረቡ፡፡ ከም ሓበሬታ እቶም ምሁራት አብቲ በ1993 ዓ.ም ህወሓት ዘጋጠማ ምግምማዕ አብ ሞንጎ ብ ቀዳማይ ሚንስትር መለስ ዜናዊ ዝምርሑን ብኣይተ ስየ አብርሃ ዝምርሑ ጉጅለታት ብዓወት ቀዳማይ ሚንስትር መለስ ምስተዛዘመ ፤ ቀዳማይ ሚንስትር መለስ ብውልቁ ዘበርከቶም ዝነኣዱ ስራሕቲ ብአብነት ዝፀርሑ እካ እንትኾኑ አብ ዙርያኡ ዝነበሩ በላሕቲ መራሕቲ እናኣለየ ብኻልኦት ብምትክኡ ገላ ካብቶም ዝተተክኡ መራሕቲ ህወሓትን ኢህወደግ ንሃገራዊ ሓድነትን ዴሞክራሲን አብ ክንዲ ምግዳስ አብ ብልሽውናን ዓፈናን ዝተዋፈሩ ብምንባሮም አብቲ ስርዓት አንፀርጽሮታት ክሕይሉ ከምዝኸኣሉ ይሕብሩ፡፡ ብተወሳኺ ህወሓት ብሰንኪ እቲ ምግምማዕ ሕሩያት መራሕቲ ክትከስር ከላ ናይተን ካልኦት መዳርግታ ከይተነኽአ ናታ ሚዛን ከም ዝጎደለ ይገልፁ፡፡ ድሕሪ ምግማዕ ህወሓት አብ 1997 ዓ.ም አብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ምርጫ አብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ናጽነት ፐሬስ፣ ፓለቲካ ዝበልሓሉ ነቶም ዝነበሩ አንፀርፅሮታት ህዝቢ አነፂሩ ብምቅላሕ ንመንበር ኢህወደግ ዘነቓነቐ ነይሩ፡፡ እንተኾነ አብ ርእሲ እቲ ኢህወደግ መንበረ ስልጣኑ ንምድሓን ዝገበሮ ፃዕሪ ተቓወምቲ ወድባት ነንርእሶም ምብላዕ ምስጀመሩ ውጽኢቱ ንእዝኒ ዝሕርፍፍ ታሪኽ አመዝጊቡ፡፡ ጠንቂ ሞት ስንክልናን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባትን ኮይኑ ሓሊፉ፡፡ ብ1997 ዓ.ም መንገዲ ሰላም መሪፆም ናብ ፓርማ ዝኣተዉ ተወክልቲ ህዝቢ ክሳብ 2002 ዓ.ም ዝፀንሕሉ አብ ሕድሕድ
አኼባታት ዘቕርቡዎም ዝነበሩ ሕቶታት፣ መብርህታትን ሓሳባትን ንፓርላማ ኢትዮጵያ ከም ሞቕሎ አርሲኖም ቀልቢ ህዝቢ ካብ ምስሓብ ክሳብ እዚ እዋን ዘይሃስሱ ሓድግታት ፖለቲካዊ ክትዕ ኮይኖም አብ ልቢ ብዙሃት ተቐቲቦም ይርከቡ፡፡ ኢህወደግ አብ እቲ ብ1997 ዓ.ም ዝነበረ ሃዋህው ፖለቲካ ባህ ስለ ዘይበሎ ንናፅነት ፐሬስ፣ መሰል ምዝርብን ናፅነት ተቓወምቲ ውድባትን ዝጭፍልቑ ከም አዋጅ ፀረ ሽብርን ሕጊ መረጻን ደንጊጉ ክጭፍለቑን ክበታተኑን ብምግባሩ ብሓደ ወገን ተቓወምቲ ውድባት ነንሕድሕዶም ክባልዑ ብምጅማሮም ብካልእ ወገን ህልውና ሓያላት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ አብ መውዳእታ 2002 ዓ.ም ጨና ማይ ኮይኑ ተሪፉ፡፡ አብ 2002 ዓ.ም አብ ዝነበረ መረፃ ኢህወደግ ከምቲ ዝሓሰቦ መይዳ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብጀካ ብሓንቲ መንበር ጥራሕ አረኪቡ ንኩሉ ብሒቱ ተዓወተ፡፡ አብቲ እዋን ሊቀ መንበር ኢህወደግ ን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዝነበሩ አይተ መለስ ዜናዊ አብ አደባባይ መስቀል አብ አዲስ አበባ ደገፉ ንዘርኢ ዝነበረ ህዝቢ ኢድ ንንስእ ብምባል ዝኣተዎም መፅብዓታት አብ መሬት ከም ዘርእዩ መደረ ምስምዖም ብሓደ ገፁ ተስፋ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዘለምለመ ናይ ቁጠባ ተበግሶ ብኻልእ ገፁ ንመይዳ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዘሰክፍ ውፅእቲ ዝሓለ ነበረ፡፡ ኢህወደግ አብ ፅባሕ ምርጫ 2002 ልዕሊ ግምት ብርቱዓት ፐሮጀክታት ሓንፂፁ ከም መስመር ባቡር፣ ግድብ ህዳሴን ፋብሪካታት ሽኮርን ብምውጣኑ ልቢ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ምቕሳኑ ብተወሳኺ አብ ሃገራዊ ሓድነት ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ዝቐልጠፈ ነይሩ፡፡
አብ ሞንጎኡ ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ብምስውኦም ኩነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንኢህወደግ ናብ ዕንይንይ ዘእተዎ አጋጣሚን ኢትዮጵያ ናብቲ ሕጂ በፂሓቶ ዘላ ቅልውላው ዘቃልዓ ኮይኑ ብቐንዱ ድማ ኢህወደግ ንጡፍ መፍትሒ አብ ክንዲ ምቕራብ አብ ዕንክሊል ምሽማሙ ነቲ ቅልውላው እናኳስሖ ፀኒሑ አሎ፡፡ ብርግፅ ካብ ዕለተ መስዋእቲ ቀ.ሚ መለስ ዜናዊ 2004 ዓ.ም ክሳብ መረፃ 2007 ዓ.ም አብ ዝነበሩ እዋናት ኢህወደግ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሽም እቶም ቀ.ሚ ሚንስትር እናምሓለን መፅብዓ እናእተዎን ብምፅንሑ ብጀካ አብ 2006 ዓ.ም ዝተናፈሰት ተቓውሞ ማስተር ፕላን አዲስ አበባ ከምቲ ብድሕሪ ምርጫ 2007 ዓ.ም ሰዝነበረ ፖለቲካዊ ናዕቢ አይተሰምዐን ነይሩ፡፡ ኢህወደግ ድሕሪ ምርጫ 1997 ዝጀመሮ ምቑላፍ በርታት ተቓውሞ፣ ናፅነት መራኸብቲ ሓፋሽን ተቓወምቲ ፖለቲካን አብ 2006 ዓ.ም 2007 ዓ.ም አሐይሉ ብመቕፃል ካብታ ተቓውሞ ዘይሩዋ ዘይፈልጥ ትግራይ ክሳብ አብተን ብተቓወምቲ ውድባት ዘዕለቕለቓ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ሰባት ተኣሲሮም ጋዜጣት ብሕቲ ተሸጕረን፡፡ አብቲ እዋን ዝነበሩ ተንተንቲ ፖለቲካ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲ ን ምእሳር ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ንኢህወደግን ንኢትዮጵያን ዘጉሂ ሳዕቤን ከየምፅእ ይእንፍቱ ነይሮም፡፡
ኢህወደግ ምርጫ አብ 2007 ዓ.ም ነቲ ካብ 2002 ዓ.ም ክሳብ 2007 ዓ.ም ሓንቲ መንበር ዝረኸበ ሓደ ከም ሓሙስ ዝነበረ ወኪል ተቓዋሚ ውድብ አቶ ግርማ ሰይፉ ኣልዩ 100 ሚእታዊ ተዓዊተ ኢሉ አብ ህዝቢ ዝወርዱ ዘለዉ ዓፀቦታት ክፈትሕ ብዘይምኽኣሉ ካብታ ተቓውሞ ዘይሩዋ ዘይፈልጥ ትግራይ ወኪላትና ሕቶ ህዝቢ ንምድማፅ አንተደኣዘይግደሱ ውክልናኦም ቀንጢጥና አለና ዝብል ቁጠዐ ክሳብ ናይ ኦሮምን አምሓራን ዳውን ዳውን ወያነ ዝብሉ ተቓውሞታት ካብ ናይ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ጸብለልታ አብ ኢትዮጵያ ነጊሱ ክሳብ አብ ውሽጢ ኢህወደግ ዘለና አርባዕተ መስረትቲ ውድባት አይተኣማመንናን ካብ ተወለድቲ ካልኦት ከባቢታት አብ ክልልና ይብጽብፁ አለዉ ክሳብ መንግስቲ ፌዴራል አብ ሉኣላዊነት መንግስቲ ክልል ኢድ የእቱ አሎ ዝብሉ ዘረባታት ኢህወደግ ካብ ሓደ ውሁድ ግንባር ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢያዊ ስምዒታት ፎኺሱ መንቀሊ ሞት፣ ስንክልናን ምምዝባልን ሰባትን ብርሰት ናውትን ኮይኑ ፀኒሑ፡፡
አብ መወዳእታ እታ ካብ ውሽጢ ኢህወደግ ንበይና ብ1985 ዓ.ም ብሽም ምምጥጣን ሰራዊት ብ1993 ዓ.ም ብሽም አፈታትሓ ጎንፂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሉፃት ደቃ እናፈንጨለት ብምድርባይ ከም መባእ መስዋእቲ እናሓረረት ዝፀንሓት አብ 2004 ዓ.ም ድማ ናይ ነዊሕ እዋን መራሒኣ ብሞት ዝተነጥቀት አብቶም ሕጂ ዝረኣዩ ዘለዉ ተቓውሞታት ንብሕታ እትውቃዕ ዘላ ህወሓት ቅድሚ 2ተ አዋርሕ ን37 መዓልታት አብ ዘሳለጠቶ ገምጋም ዝፍንጨል ፈንጪላ ናብ ኢወደግ ድሕሪ ምቕራባ ኢህወደግ ሓዱሽ ሓሳብ ሒዙ ከም ዝመፀ መግለፂ አብ ምሃብ ይርከብ፡፡
ህወሓት ብሽም ኢህወደግ መስዋእቲ ክትከውን ከላ ንህዝቢ ትግራይ ቋንጣ ንካልኦት ከባቢታት ፃልጣ ከም እትኸውን ብዙሓት ተጋሩ ይዛረቡ፡፡ አብቲ ሕጂ ከፊላቶ ዘላ መስዋእቲ ንህዝቢ ትግራይ ቋንጣ ድያ ፃልጣ ክትኮኖ ንኢህወደግከ ኸ ከምቲ ልሙድ መድሓኒቱ ዶ ክትከውን ትኾን ጊዜ ዝምልሶ ጉዳይ እዩ፡፡ ድሕሪ ናይ 37 መዓልታት አኬባ ህወሓት ንህልውና ኢህወደግን ሃገርን ከምኡ እውን 17 መዓልታት አኼባ ኢህወደግ ንህልውናኡን ህልወና ሃገርን እቶም ካብ መዝነትና ብወለንታና ተኣሊና አለና ኢሎም ዝነበሩ ነባራት መራሕቲ ኣባ ዱላ ገመዳን በረከት ስምኦንን ናብ ቦትኦም ከም ዝተመልሱ እውን በወግዒ አፍሊጦም አለዉ፡፡ ህልውና ኢህወደግ አብቶም አትዩዎም ዘሎ መፀበዓትት ዝተደረቱ አይኮኑን ልዕሊ ቲ ተኣትዩ ዘሎ መፅብዓ ዝዘሉ እዮ ዝብሉ ተማጎትቲ አካላት አለዉ፡፡
ከም ምልከታ እዞም ተማጎትቲ አብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተዉ ፖለቲከኛታት ተኣሲሮም ንምውፃእ ጥራሕ ጥራሕ ከይኮነስ ካብ ምእላይ ስርዓትን ምቕያር ሕገ መንግስትን ክሳብ አብቲ መሪሕነት ክህልዉ ዝኽእሉ ተጠርጠርቲ ገበን ናብ ሕጊ ምቕራብ ዝጠልቡ እዮም፡፡ እዚ ንኢህወደግ አሉታዊ ፅልዋ እዩ፡፡ ብምባል መፍትሒታቱ ወይ ነቶም ነቲ ሕቶ ዘልዕሉ ሰባት ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምምላስ ዝተኣተወ መፅብኣ ምዕፃፍ ወይስ ኢህወደግ ንገዛእ ርእሱ ነዚ መስዋእቲ ከም ወዲ አብርሃም ቅሩብ ብሙኻን ድሌታቶም ምፍፃም አማራፅታት ከም ዘለዉ የረድኡ፡፡ ካልኦት ወሃብቲ ርእይቶ ድማ ሃገራዊ ምርድዳእ ተፈጢሩ እቶም አብ መሪሕነት ዘለዉ ምስቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ምስ ምሉእ መትከላቶም ብሓንሳብ ኮይኖም ሃገር ንምምራሕ ዝጠልብ እዋን ሐዚ እዩ ይብሉ፡፡__






