Source: EBC ERi Tvኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ስልጣኑ ወዲኡ ነቲ ዝምረጽ ሰልፊ ዘረክበሉ እዋን ትሕቲ 5 ኣዋርሕ ኣብዝተረፈሉ እዋን፡ ህዝቢ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከይሃልቕ ኣብዝስገኣሉ ግዜ፡ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ቀዳድ ናይ ቅዋም ኣብ ምንዳይ ኣብዘለወሉ ሰልፊታት ፖለቲካ ተቓዉመአን ኣብ ጠርዚ በጺሑ ኣሎ። ብፍላይ ህወሓት ኣብ ትግራይ ምርጫ ንምግባር ዝዓግቶ ከምዘየለ ይፍክር ኣሎ። ብሓፈሻ እዚ እናረሰነ ዝመጽእ ዘሎ መቕሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካበይ ናበይ እዩ ኣብዚ ክልተ ዓመት ናብዚ ዘለዎ ረስኒ በጺሑ? ኢድ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ሓዊ ብኸመይ ትዋሳእ ኣላ ንዝብሉ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይቲ ኩነታት ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ስልጣኑ ወዲኡ ነቲ ዝምረጽ ሰልፊ ዘረክበሉ እዋን ትሕቲ 5 ኣዋርሕ ኣብዝተረፈሉ እዋን፡ ህዝቢ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከይሃልቕ ኣብዝስገኣሉ ግዜ፡ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ቀዳድ ናይ ቅዋም ኣብ ምንዳይ ኣብዘለወሉ ሰልፊታት ፖለቲካ ተቓዉመአን ኣብ ጠርዚ በጺሑ ኣሎ። ብፍላይ ህወሓት ኣብ ትግራይ ምርጫ ንምግባር ዝዓግቶ ከምዘየለ ይፍክር ኣሎ። ብሓፈሻ እዚ እናረሰነ ዝመጽእ ዘሎ መቕሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካበይ ናበይ እዩ ኣብዚ ክልተ ዓመት ናብዚ ዘለዎ ረስኒ በጺሑ? ኢድ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ሓዊ ብኸመይ ትዋሳእ ኣላ ንዝብሉ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይቲ ኩነታት ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።