SKIP TO MAIN CONTENT

ኣማራጺታት ክንክን ሕርስን ጥንስን ኣብ ኣውስትራሊያ፡

Australia Explained - Birth Care
Australia’s national strategy on how maternity care should be provided is structured around four values: safety, respect, choice and access. Source: Moment RF / d3sign/Getty Images

ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ንመጀመርታ ግዘ ወለዲ እንተኾይንኩም ፤ ኣበይን ብኸመይን ከምትወልድ ምምራጽ ብዙሕ ከቢድ ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል ። ኣብ ህዝባዊ ወይ ብሕታዊ ናይ ጥዕና ትካላት ክንክን ዝግበረልኪ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ፡ ዘለኪ ኣማራጺታት ክትርድእን ንዓኺን ንውላድክን ቅኑዕ ውሳነ ንኽትገብሪ ካበይ ምኽሪ ክትረክቢ ከም እትኽእሊ ምፍላጥን ኣገዳሲ እዩ ።


Published

By Zoe Thomaidou

Presented by Melissa Compagnoni

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ንመጀመርታ ግዘ ወለዲ እንተኾይንኩም ፤ ኣበይን ብኸመይን ከምትወልድ ምምራጽ ብዙሕ ከቢድ ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል ። ኣብ ህዝባዊ ወይ ብሕታዊ ናይ ጥዕና ትካላት ክንክን ዝግበረልኪ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ፡ ዘለኪ ኣማራጺታት ክትርድእን ንዓኺን ንውላድክን ቅኑዕ ውሳነ ንኽትገብሪ ካበይ ምኽሪ ክትረክቢ ከም እትኽእሊ ምፍላጥን ኣገዳሲ እዩ ።


  • ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሕርሲ መማረጺታት እንታይ እዮም?
  • ንወጻኢታት ክንክን ወሊድን ጥንስን ዝኸፍል መን እዩ ?
  • ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን መን እዩ ዚኣልየኒ ?
  • ቀጻልነት ክንክን እንታይ እዩ?
  • ብዘይካ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ካልእ ቦታ ክወልድ እኽእል ድየ ?
  • ኣብ ገዛ ምውላድን ናጻ ምውላድንከ ሓደ ድዩ ?
  • ኣብ ምምራጽ ወሊድ እንተ ኣጸጊሙኒኸ ?

ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣገልግሎት ውሃብቲ መወለዳን ንሰበይቲ ማእከላት ብዝገብር ሜላ እዩ ዘሎ፤ ነፍሰ ጾራት ብዛዕባ ሕርስን ክንክንን ሓበሬታ ተዋሂብወን ምርጫ ክወስዳ ይኽእላ ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሕርሲ መማረጺታት እንታይ እዮም?

ከከም ትነብረሉ ከባቢ ፡ ኣድላይነት ትመርጾ ሕክምና ፣ መሰረት ዝገበረ ናይ ጥንስን ክንክን ወሊድን ዝተፈላለዩ መማረጺታት ኣለዉ ።

እቶም ቀንዲ ልሙዳት ዝኾኑ ሞዴላት ክንክን ጥንስን ሕርስን ፡ ኣብ ህዝባዊ ሆስፒታላት ዝወሃብ ክንክን ኣደነት ፡ ሓባራዊ ክንክን ፡ መሕረሲ ጉጅለ ልምምድን ውልቃዊ ክንክን ዕትብቲ ኣደን እዮም ።

ብዛዕባ ሞዴላት ክንክን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ኣብ ጥንሲ፡ ሕርሲ ፣ ዝምልከት ናብ መርበብ ሓበሬታ ህጻናይ (Baby website) ወይ ናብ ሓፈሻዊ ሃኪም ( ጂ.ፒ). ክትበጽሕ ትኽእል ።

ራሄል ዎርዝቦይስ ፡ ክኢላ ክሊኒካል ጥንሲ፡ ሕርስን ህጻናትን ያ ፡ "ኣብ ከባቢኻ ንዚርከቡ ከም ህዝባዊ ክንክን ፡ ብሕታዊ ክንክንን መሕረሲ መደባትን ዝኣመሰሉ ናይ ኣደነት ሞዴላት ፡ ክገልጸልካ ይኽእል እዩ" በለት ።

Australia Explained - Birth Care
Ask your maternity health provider for antenatal classes in your area. Credit: Getty Images/Maskot

ንወጻኢታት ክንክን ወሊድን ጥንስን ዝኸፍል መን እዩ ?

ናይ ውልቂ ተሓካሚ ኮይንኪ እንድሕር ትወልዲ ኮይንኪ ፣ ናይ ግሊ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ንገለ ካብቲ ወጻኢታት ክሽፍን ይኽእል እዩ ።

ዝፍቀደሎም ናይ ህዝቢ ተሓከምቲ ፤ ኣብ ህዝባዊ ሆስፒታል ኽትወልድ ንዝኽፈል ወጻኢታትን ከምኡ "ውን ንመብዛሕትኡ ልሙድ ዝኾነ ናይ ጥንሲ ወጻኢታት መዲኬር ይሽፍን ።

"ምስ መሕረሲትኪ ወይ ምስ ሓኪምኪ ፣ ብጕጅለ ዝግበር ናይ ወሊድ ትምህርቲ ፣ ምስ ከም ኣመጋግባ ፣ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ፣ ናይ ኣእምሮ ናይ ጥዕና ደገፍ ዘድልየኪ ኩሉ ዓይነት ጥዕና ሓበሬታ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ" ትብል ሚስ ዎርቦይስ ።

ይኹን እምበር ፡ ካብ ጁባ ወጻኢ ተወሳኺ ወጻኢታት ዝግበረሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል እዩ "በለት ።

ብዛዕባ ዝኾነ ክፍሊት ብናይ Medicare ወይ ብናይ ግሊ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ንዘይተኸፋፈለ ናይ ኣደነት ክንክን ምሕታት ይከኣል'ዩ ።

ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን መን እዩ ዚኣልየኒ ?

ከከም እቲ ትደልይዮ ፡ ቀረብካን ኣበይ ክትወልዲ ከም ትደልይን ፡ ብክኢላታት መሕረስቲ ፡ ብ ሓኪምኪ (ጂ.ፒ.)፡ ወይ ብሕብረት ሰብ ሞያ ጥዕና ኽትሓርሲ ትኽእሊ ኢኺ ።

መሕረስቲ ጥራይ ኣይኮናን ኣብ እዋን ጥንሲ እትርእይየን ፣ እንተኾነ መብዛሕትአን ጥኑሳት ፣ ኣየናይ ሞዴል ናይ ክንክን ትመርጽ ብዘየገድስ ፣ ኣብ ገለ እዋን መሕረሲት ይርእያ ።
Rachel Worboys

ኣብ ህዝባዊ ሆስፒታል ክትወልዲ መደብ እንተጌርኪ ፣ እሞ ጥንስኺ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምስዝኸውን ፣ ፍሉይ ናይ ሕርሲ ክኢላ ክርእየኪ ይኽእል እዩ ።

ናይ ውልቂ ሕሙም ምስ እትኾኒ ፣ ናይ ውልቂ መሕረሲት ወይከኣ ናይ ግሊ መሕረሲት ክትመርጺ ትኽእሊ ።

"መሕረስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ጥዑይን ዘይተሓላለኸን ጥንሲ ይድግፋ እየን: obstetricians ግን ንዝተሓላለኸ ኵነታት ኣብ ምእላይ ክኢላታት እዮም" ትብል ሜስ ዎርቦይስ ።

"ነፍሲ ወከፍ ክኢላ ጽቡቕ ክንክን ክገብር ይኽእል እዩ ። እንተኾነ ግን ምስ ኩነታት ጥንስኺን ናይ ባዕልኺ ምርጫን ምግጣም እዩ "በለት ።

Australia Explained - Birth Care
Continuity of care can help reduce the chance of premature birth. Credit: SDI Productions/Getty Images

ቀጻልነት ክንክን እንታይ እዩ?

ኣብ ምሉእ ናይ መወለዳን ግዜ ሓደ ዓይነት ሓኪም ፣ መሕረሲት ወይከኣ ጉጅለ መሕረሲታት ክትርኢ እንከለኻ ቀጻልነት ናይ ክንክን ጥዕና ይበሃል።

ሓደ ምስ ሓደ ክንክን ዝግበረሎም ሞዴላት ንኣደን ዕሸልን ዝጠቅም ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወስተርን ሲድኒ ፕሮፌሰር ሚድዊፍሪ ዝዀነት ሃና ደሊን ፡ "ንኣብነት ፡ እቲ ዝግበር ክንክን ቀጻሊ ስለ ዝዀነ እቲ ኣብ መንጎ ጣልቃ ናይ ምእታው ተኽእሎ ዝተሓተ ከም ዝዀነን ዕግበት ከምዝህብን ፡ ጡብ ምጥባውን ዝሓሸ ከምዝኸውን፡ ከምኡውን ናይ መጠን በሰላ ወሊድ ተኽእሎኡ ትሑት ከም ዝዀነን ንፈልጥ ኢና" በለት ።

ብዘይካ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ካልእ ቦታ ክወልድ እኽእል ድየ ?

ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ መብዛሕቶም ቆልዑ ኣብ ሆስፒታላት እዮም ዝውለዱ ።

ኣብ ከባቢኻ እንተሃልዩ ኣብ ማእከል መወልዳን ክትወልዲ ክትመርጽ ትኽእሊ ኢኺ ። ማእከላት መወልዳን/Birthing centres ትሑት ናይ ጣልቃ ምእታው ንዘይተሓላለኸ ጉዳይ ጥንሲ የተኩራ ።

ትሑት ተኽእሎ ሓደጋ ጥንሲ ምስዝኸውን ኣብ ገዛ ምውላድ ካልእ መማረጺ እዩ ።

ፕሮፌሰር ዳሂለን ብዛዕባዚ ተብርህ፡ "ኣብ ገዛ ምውላድ ክብሃል ከሎ ፡ ሓንቲ ዝተመስከረላ መሕረሲት ኣብ ምሉእ ጥንስኺ ክንክን ክትገብረልኪ ከላ እዩ ፣ ኣብ ገዛ ኽትውለዲ ክትድውሊላን ፡ ኣብ ገዛኺ መጺኣ እያ እትበጽሓኪ"

"ኵሉ ነገር በቲ ዝድለ እንተከይዱ ኰይኑ ፡ ህጻን ኣብ ገዛ ክውለድ ይኽእል ፡ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙ ናብ ሆስፒታል ከተሰጋግረኪ ትኽእል እያ ።"

መሕረሲትኪ ወይ ሓኪምኪ ብዛዕባ ኣብ ገዛ ምውላድ ዘስዕቦ ረብሓን ሓደጋን ኽዘራረቡኺ እዮም ።

ኣብ ገዛ ምውላድን ናጻ ምውላድንከ ሓደ ድዩ ?

ኣብ ገዛ ምውላድ (Homebirth) ን ነጻ ምውላድን (freebirth) ሓደ ኣይኮኑን።

ነጻ ምውላድ (Freebirths) ኣብ እዋን ሕርሲ ዝተመስከረላ በዓልቲ ሞያ ጥዕና ኣይትርከብን እያ።
Prof Hannah Dahlen

ኣብ ገዛ ምውላድ ( homebirths) ግን እንተ ወሓደ ሓደ ሰብ ሕክምናዊ ክንክን ክገብር ዝኽእል ብፍላይ ምዝጉብ መሕረሲት ክትህሉ ኣለዋ ።

"መሕረስቲ ፡ ኦክስጅን ሒዘን እየን ዝመጻ ፣ መድሃኒት እውን ይወስዳ እየን ፣ ሓደ ነገር መዓስ ብግቡእ ከም ዘይከይድ ንፈልጥ ኢና ፣ ከምኡ እንተኣጋጢሙ ድማ ናብ ሆስፒታል ክንከይድ ኣሎና ።

"ኵሉ እዚታት ኣብ ብ ናጻሕርሲ (freebirth) የለን ።"

Australia Explained - Birth Care
Take the time to find a care provider that you trust and feel comfortable with. Source: Moment RF / Halfpoint Images/Getty Images

ኣብ ምምራጽ ወሊድ እንተ ኣጸጊሙኒኸ ?

ኣብ እዋን ሕርሲ ዝግበር ምርጫታት ዓቕልኻ ይጸበካ እዩ ።

ናይ ኣእምሮ ጸገም እንተ "ልዩካ ፣ በይንኻ ከምዘይኮንካ ፍለጥ ።

ቅድመ ሕርሲ ጸቕጥን ጭንቀትን Perinatal depression and anxiety (PNDA) ነታ ኣብ ሕርሲ ዘላን መጻምዳን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ጥንስን ሕርስን ዝጸሉ ኩነታት እዩ ይብል ማቲው ኣኲሊና ። ንሱ ምስ ጊድጌት ፋውንዴሽን ኣውስትራሊያ ዝበሃል ሃገራዊ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ኣገልግሎት ናይ ሕክምና ጉጅለ ሓላፊ እዩ ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኣደታት ከምኡድማ ሓደ ካብ 10 ኣቦታት ኣብ ጉዕዞ ጥንስን ሕርስን PNDA ከምዘጋጠሞም ይፍለጥ ።
Mathew Aquilina

"ኣብ ዓዓመት ዳርጋ 100,000 ዝዀኑ ወለዲ ይትንክፉ እዮም ።"

ናይ ኣእምሮ ሓለዋ ጥዕና ደገፍ ዘድልየኻ እንተኾይኑ ናብ ሓኪምካ /ጂ.ፒ.ኣይ. ብምኻድ ሓገዝ ንምርካብ ኣዘራርብ ።

እቲ ናይ ምውላድ ተመክሮኻ ከመይ ክኸውን ከምትደሊ ንገዛእ-ርእስኻ ምሕታት ፡ ክትወስዶ እትኽእል ቀሊል ስጉምቲ እዩ ክብል ኣቶ ኣኪሊና ይመክር ።

ኣብ መወዳእታ ፡ ብዛዕባ ወሊድ እኹል ፍልጠት እንተ ኣልዩካ ፡ ምርጫታትካ ምርዳእን ኣብ ውሳነኻ ምድጋፍን ማለት እዩ ።

"ባህላዊ ድሌታትካን ምርጫታትካን ጽን ኢልካ ምስማዕን ምዕዛብን ከምኡ 'ውን ኣካል ናይ ኩሉ ውሳኔታት ምዃንን ኣብ መንጎኺ: መሕረሲትክን ሓኪምን ዝግበር ዝርርብ ምክያድን እዩ" ትብል ሜስ ዎርቦይስ: ኣብ መደምደምታ ።

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now