ያለምዘርፍ የኋላው ኣብ ማራቶን ለንደን ተዓዊታ፣ ነቐፌታ ኣብ ውጽኢት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሚዛን ክህልዎ መጸዋዕታ ቀሪቡ

LONDON, ENGLAND - OCTOBER 02: (EDITORIAL USE ONLY) Yalemzerf Yehualaw of Ethiopia wins the Elite Women's Marathon during the 2022 TCS London Marathon on The Mall on October 02, 2022 in London, England. (Photo by Karwai Tang/WireImage) Credit: Karwai Tang/WireImage
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/10/2022) * ኢትዮጵያዊት ያለምዘርፍ የኋላው ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ለንደን ዝነኣሰት ተዓዋቲት ኮይና፣ * ዞባዊ መባእታዊ መጻረዪ ግጥማት ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 መንእሰያት ት17 ሩዋንዳ፣ ጂቡቲ፣ ሱዳንን ኤርትራን ከምዘይሳተፋ ሴካፋ ብወግዒ ኣፍሊጡ፣ * ተሳተፍቲ ሃገራት ኣብ ግጥማት ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ኣልጀርያ ቻን2022 ምድባተን ፈሊጠን፣ ኢትዮጵያ ምስ ኣአንጋዲት ሃገር ኣልጀርያ ሊብያን ሞዛምቢክን ኣብ ዝርከባሉ ጉጅለ ተመዲባ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢራን ኤርትራዊ ዳዊት የማነ 2ይ ተርታ ሒዙ ተሳትፎኡ ክቕጽል እንከሎ ኣብ ኢል ሎምባርዲያ ዝተቐዳደመ ኢትዮጵያዊ ወላይ ሓጎስ በርሀ ከኣ ራብዓይ ወጺኡ፣ * ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ሻምፒዮና ቅ/ብ ዓለም 2022 ዎሎንጎንግ ድሙቕ ኣቀባብላን መፋነዊን እንተተገብረሎም’ኳ ውጽኢቶም ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊት መድረኻት ክትዓት ስለዘልዓለ ምሕጽንታታት ንደገፍቲ ይቐርቡ:
Share