“ካብቲ ኣብ ዶባት ኤርትራ ዝርከባ ዓዲታት ተበጊሱ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ነተን ኣብኡ ዝርከባ ዓዲታት ምሉእ ብምሉእ ዘብርስ እዩ።” ተመስገን ሰመረ

Source: Google Images
ዘይፖለቲካዊ፡ ዘይ ሻራዊ ስቪክ ማሕበር 12 ኣኽራን ነቲ ኣብ ናይ ቀደም ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል መሬት ሃገረ ኤርትራ እትርከብ ብዓሰርተ ክልተ (12) ዓድታት ዝቖመት ወረዳ ዝርከብ ህዝቢ ዝረኽቦ ዘሎ ወጽዓ ንዝምልከቶ ጥርዓን ንምቕራብ ዝተወደበ ማሕበር እዩ። ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ነባሪ፡ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝሓሰመ ህይወት ኣውሪድዎ ከምዘሎ ኣባል ቦርድ ናይቲ ማሕበር ተመስገን ሰመረ ገሊጹ ኣሎ።
Share