እቲ ሓድሽ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ መንግስቲ ጥልያን፡ ኢጣልያ ቀንዲ ወደብ ናይ’ቶም ካብ ሊብያ ተበጊሶም ብ ናይ ኣስገርቲ ጀላቡ ዝመጹ ስደተኛታት መዕረፊ ኣይክትከውንን እያ ፡ ኤውሮጳ ድማ ነቲ ጾር ንምስካም ዝያዳ ጻዕሪ ክትገብር እያ ክብል ሓቲቱ ። እዚ ከምዚ 'ሉ እንከሎ ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ጽኑዕ ናይ ፓስፖርት መቆጻጸሪ ንምትእትታው ፣ ኣብቲ ምስ ኢጣልያ ዘዳውብ ዶባቱ ሓለዋ ጸጥታ ወሲኹ ኣሎ ።
Share






