African Refugees in Israel Source: Awet Asheberኣብዚ ቕነ ካብ እስራኤል ብዛዕባ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝመጸ ዜና ነቲ ብርሑቕ ዘሎ ዘሰንብድ፡ ነቶም ስደተኛታት ድማ ዘስግእ እዩ። ነዚ ኣመልኪትና ኣብ ምንቃሕን ሓበሬታ ኣብ ምስናቕን ካብ ዝነጥፉ ንዓወት ኣሸብር ካብ እስራኤል ብዛዕባቲ ኩነታት ክገልጸልና ሓቲትናዩ ዝሃበና ትሕዝቶ ብድምጺ ክስማዕ ዝከኣል’ዩ። እቲ ካብታ ሃገር ዝወጸ ዜና ነቶም ኣብ ኣስራኤል ዝርከቡ 40 ሺሕ ዝኾኑ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ንኽወጹ ምስ ዘይተገልጸ ኣህጉራዊ ዉዕል ከምተገብረ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ናይታ ሃገር ካቢነ ኣብ ኣስራኤል ዝርከብ ማኣከል ስደተኛታት ከዕጾ ድምጺ ሂቡ ኣሎ።
ኣብዚ ቕነ ካብ እስራኤል ብዛዕባ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝመጸ ዜና ነቲ ብርሑቕ ዘሎ ዘሰንብድ፡ ነቶም ስደተኛታት ድማ ዘስግእ እዩ። ነዚ ኣመልኪትና ኣብ ምንቃሕን ሓበሬታ ኣብ ምስናቕን ካብ ዝነጥፉ ንዓወት ኣሸብር ካብ እስራኤል ብዛዕባቲ ኩነታት ክገልጸልና ሓቲትናዩ ዝሃበና ትሕዝቶ ብድምጺ ክስማዕ ዝከኣል’ዩ። እቲ ካብታ ሃገር ዝወጸ ዜና ነቶም ኣብ ኣስራኤል ዝርከቡ 40 ሺሕ ዝኾኑ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ንኽወጹ ምስ ዘይተገልጸ ኣህጉራዊ ዉዕል ከምተገብረ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ናይታ ሃገር ካቢነ ኣብ ኣስራኤል ዝርከብ ማኣከል ስደተኛታት ከዕጾ ድምጺ ሂቡ ኣሎ።