ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ስምዑ፣ ቆላሕታ ዝሰሓቡ ኣርእስታት ክትክተልዎምን ክትከታተልዎምን ኣብ SBS News Podcasts ስምዕዎም።
ናይ ጽሑፍ ቅዳሕ:
ወለንተኛታት ኣብ ሓደ ግብረሰናይ ማሕበር ምዕራብ ከተማ ሲድኒ ጥማራት ህያባት ይዕድሉ’ለዉ።
ነጻ መግቢ ዘሐጉስ ህያብ’ዩ. . . ገሊኦም ንሰዓታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ተጠቒሞም ናብኡ ዝመጹ’ዮም።
ጆማና ካርታቢል ነቲ ዝተዋህባ ሓደ ሳንዱቕ ወይ ካርቶን መግቢ ካብ’ቶም ዘመስገኑ’ያ።
"ህይወት ብጣዕሚ ከቢዱ’ዩ። ነገራት ከተተኣኻኽል ከቢድ’ዩ፣ ብፍላይ ምስ ቆልዑ። እዚኦም ህያባት መግቢ ንገለ ካብ’ቶም ወጻኢታት ኣብ ምሽፋን ክሕግዙ’ዮም።"
ሚስ ካርታቢል ካብ ሊባኖስ ኮይና ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት በዓል ቤታ ዝሰኣነት’ያ።
ሚስ ካርታቢል ካብ ሊባኖስ ኮይና ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት በዓል ቤታ ዝሰኣነት’ያ። ክልተ ደቃ ተዕቢ’ላ፣ ካብ’ቶም በቲ ንስደተኛታትን ኣብ ኣፈፈት ግዳም ሓደርነት ንዝርከቡ ሰባትን ወሲኹ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሰባት ደገፍ ክህብ ዝተመስረተ ትካል ግብረሰናይ Sydney Community Connect (ሲድኒ ኮምዩኒቲ ኮኔክት) ዝሕገዙ ብዙሓት’ያ።
ኣብ ግዜ ጾም ረመዳን፣ እቲ ኣትኩሮ ንጽጉማት ስድራቤታት ምምጋብ’ዩ ክትብል ፕረዚደንት ጆማና መንዛልጂ ትገልጽ።
'''ነቲ ልግሲን ምርቓትን ረመዳን ኣብ ኩሉ ማሕበረሰብና ንምስፋሕ’ዩ። ስለ’ዚ ንኩሉ ሰብ ኢና ነቲ መግቢ ንዕድሎ ኔርና።"
እዞም ነጻ ጥማራት መግቢ ኣብ ሓደ መኽዘን ኣብ Greenacre (ግሪንኤከር) ናይ ሲድኒ’ዮም ተዓሺጎም።
ወለንተኛ ዑመር ጃቡሪ፣ ካብ ዒራቕ ዝመጸ፣ ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ተቐቢሉ ዝነበረ’ዩ።
"ኣብ ገጽ ሓደ ዝተጸገመ ሰብ ፍሽኽታ ክዓስል ምግባር ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥር’ዩ።"
ሚስ መንዛልጂ ትብል እዚ ህያብ ጥማር መግቢ ንኻልኦት ዘድልዩ ነገራት ዝኸውን ጥረ ገንዘብ ነጻ ዝገብር’ዩ፣ ንኣብነት ንትምህርቲ ወይ ክዳን ደቆም።
"$150 ዶላር ዋጋ ዘውጽእ ኣቑሑ ዘለዎ ጥማር መግቢ እንተሂብና፣ $150 ዶላር ናብ ካልእ መዓላ ከውዕልዎ ዝኽእሉ መኽሰብ ይህቦም ማለት’ዩ። እቲ ጠለብ ይውስኽ’ዩ ዘሎ፣ ቁጽሪ ደገፍ ወይ ሓገዝ ዝሓቱ ሰባት ይውስኽ’ዩ ዘሎ።"
ብመሰረት ትካል Foodbank (ፉድባንክ)፣ ሓደ ሲሶ ካብ ኩሎም ስድራቤታት ኣውስትራልያ ዝሓለፈ ዓመት ጸገም ውሕስነት መግቢ ኣጋጢምወን።
ሚስ መንዛልጂ እዚ ንብዙሓት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገም ይስመዓ።
"ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ሰብኣይ መጺኡ ብትሕትና ‘ስድራቤተይ ክሕግዝ ኣለኒ፣ ግን ሕፍረት ይስመዓኒ። ኣብ ጁባይ ሓደ ዶላር ይኹን’ውን የብለይን። ክትሕግዝኒ ትኽእሊ ዝኾነ ነገር ኣሎ ድዩ?’ ኢሉ ክሓትት ክርኢ’ንከለኹ ንብዓት ይመጻኒ።"
ብምኽንያት ቅልውላው ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ግሎባዊ ዋጋታት ኣብ ዝንህርሉ መግቢ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝያዳ ክቡር ክኸውን’ዩ።
ሎክለን ሃሎወይ ኣብ ሞርኒንግስታር ዝተባህለ ኩባንያ ዳታን ኣናሊቲክስን ክኢላ ስትራተጂ’ዩ።
"ብርግጽ፣ ቀጻሊ ምውሳኽ ዋጋታት ነዳዲ እንተርኢና ንኣውስትራልያውያን ብመንገዲ ክልተ ዋጋታት ክሓልፎም ተኽእሎ’ለዎ - ንኣብነት ዋጋ ፔትሮል፣ ግን ከኣ ቀጥታዊ ኣብ ዘይኮኑ ዓይነታት ጸዓት፣ ንኣብነት መጓዓዝያ፣ እዚ ድማ ኣብ ወጻኢታት መነባብሮ ብዙሓት ኣውስትራልያውያን ድሮ ተቐቢሮሞ ዘለዉ ጸቕጥታት ክገብር ይኽእል’ዩ። ኣዝዩ ንውሕ ዝበለ ኲናት እንተኾይኑ፣ ብፍላይ ድማ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ንዝኾነ ነዊሕ እዋን እንተተዓጽዩ፣ እዚ ኣዝዩ ዝለዓለ ዓቢይ ሳዕቤን ኣብ ዋጋታት ነዳድን ቁጠባዊ ዕቤት ዓለምን ክህልዎ ይኽእል’ዩ።"
ነባሪ፣ ዘይጸዓድን ውሑስን ዝኾነ ስርዓተ መግቢ ክህሉ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ሓደ ሃገራዊ ስትራተጂ ንውሕስነት መግቢ (National Food Security Strategy) የውጽእ ኣሎ።
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ መግቢ (National Food Council) ድማ የካይዶን ይከታተሎን።
ካብ’ቶም ብሓሳብ ዝመርሕዎ ኣንድሪው ሀንደርሰን፣ ልዕለዋይ ተመራማሪ ኣብ ትካል መጽናዕቲ ኣውስትራልያዊ ስትራተጂካዊ ፖሊሲ እዩ።
"እዚ ግጭት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣቃሊልና ንርእዮም ነገራት ንኣብነት ከም ነዳዲ ዝኣመሰሉ ውሕስነት’ቶም ኣዝዮም መሰረታውያን ዝኾኑ ነገራት ኣብ ግምት ዘእቱ ሓደ ሃገራዊ ስትራተጂ ውሕስነት መግቢ፣ ንምንታይ የድልየና ካልእ ተወሳኺ መርኣያ እዩ። ብርግጽ ወሰኽ ኣብ ዋጋታት ክንርኢ ኢና። እዚ እንተተናዊሑ ግን ናብ ካልእ ሰጊሩ ጽልዋ ዘለዎ ምቕናስ ወይ ምጉዳል ኣብ ቀረባት ከም ተኽእሎ ክንርኢይ ኢና። ሰባት መግቢ ኣብ ከብሒታት ዓበይቲ ዕዳጋታት (ሱፐርማርኬታት) ክረኽቡ ጸገማት እንተረኺቦም እንታይ ከጋጥም’ዩ’ስከ ሕሰብዎ። ሕጂ ክሳብ ክንድኡ ክበጽሕ ኣይንደልዮን ኢና፣ ግን ነዚ ተኽእሎ ሓደጋ ወይ ሪስክ ንምክልኻል ውጥን ንምውጻእ ኣዝዩ ህድእ ዝበለን ሜላዊን ኣተሓሕዛ ክንወስድ የድልየና።"
መጠናት ወለድ ከም ተኽእሎ ልዑላት ኮይኖም ክጸንሑ ምስ ምዃኖም፣ ብመሰረት ማእከላይ ባንክ (Reserve Bank)፣ ስድራቤታት በብግዚኡ መሰረታውያን ነገራት ክቕርባ ወይ ክማልኣ ክጽገማ ይኽእላ’የን።
ከም በዓል ሲድኒ ኮምዩኒቲ ኮኔክት ዝኣመሰላ ብዙሓት ኣገልግሎታት ማዕረ ማዕሪኡ ክስጉማ ድሮ ይቃለሳ’የን ዘለዋ፣ ሚስ መንዛልጂ ከምትገልጾ።
"መጠናት ወለድ፣ ወጻኢታት ናብራ፣ ኩሉ ነገር ብጣዕሚ ከቢሩ’ሎ። ህይወት ብጣዕሚ ከቢድ ኮይኑ’ሎ፣ ብፍላይ ንሓደ ተራ ስድራቤት። ክንድ’ቲ ዝደለናዮ ክንሕግዝ ኣይንኽእልን ኢና፣ ግን ከኣ ዝከኣለና ንገብር ኣለና። ንዝኾነ ሰብ ከነቐይም ወይ ከነኾሪ ኣይንደልን ኢና።"




