ደቀባት ኣውስትራልያ ምስ ስደተኛታትን መጻእትን ተመሳሳሊ ታሪኽ ስለዝሓለፍና ነዚ መዓልቲ ናብ ካልእ ቀይርና ብሓባር ከነብዕሎ ንደሊ

Source: Getty / Getty Images AsiaPac
ጥሪ 26 ንብዙሓት ደቀባት ህዝብታት ከቢድ መዓልቲ’ዩ፣ ዓመጽን ዕንወትን ባህሎም የዘክሮም። ንገለ ሰባት መዓልቲ ኣውስትራልያ - ኣብ’ዚ መዓልቲ ዝበዓል - ኣውደኣመት’ዩ። ንብዙሓት ብወግዒ ኣውስትራልያውያን ዝኾንሉ መዓልቲ’ዩ፣ ኣብ’ዚ መዓልቲ ብዙሓት ስነስርዓታት ምቕባል ዜግነት ይካየዱ። እንተኾነ ግን ነብሲ ወከፍ ዓመት እቲ መዓልቲ ክቕየር ዝጽውዑ ድምጽታት እናወሰኹ ይኸዱ። እዚ ትሕዝቶ ንመጻእቲ ኣውስትራልያውያን ንምንታይ መሻርኽቲ ደቀባት ኣውስትራልያውያን ክኾኑ ኣወንታዊ ከምዝኸውንን፣ እዚ ንምናይ ኣብ ከም ጥሪ 26 ዝኣመሰለ መዓልቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ክምልከት’ዩ።
Share