SKIP TO MAIN CONTENT

“ኣብ ኤርትራዊ ኣጠማምታ ዝምርኮስ ፍትሒ እዩ መወዳእታኡ ዝዕወት።” ሚኒስተር ፍትሒ ኤርትራ ፎዚያ ሃሽም

Minister for Justice
Fozia Hashim Source: Fozia Hashim

ጋዜጠኛ Martin Schibbye ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናብ ኤርትራ በጺሑ ዝተመልሰ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብዝጸንሓሉ እዋን ምስ ሚኒስተር ፍትሒ ፎዚያ ሓሺም ካብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝተወስደ እዩ።


Published

By SBS Tigrinya

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ጋዜጠኛ Martin Schibbye ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናብ ኤርትራ በጺሑ ዝተመልሰ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብዝጸንሓሉ እዋን ምስ ሚኒስተር ፍትሒ ፎዚያ ሓሺም ካብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝተወስደ እዩ።


ኣብቲ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ዝርከብ ምዕሩግ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ፍትሒ ኤርትራ ፎዝያ ሓሺም፡ ንነጻነት ዝተጋደላ ዕጥቂ ዝዓጠቓ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓደ ጎቦ እናደየባ ዘርኢ ምስሊ ኣብ መንደቕ ተጠቂዑ ይርኤ።.

እብቲ 26 ዓመታት ኣቑጺሩ ዘሎ ናጻነት ኤርትራ ሃገራዊ ምርጫ ክግበር፡ ነጻ ፕረስ ክዕንብብ ኣይተራእየን። ኣብ ክንድኡ ካብ ግዱድ ዕስክርና ሃዲሞም ነታ ሃገር ዝገድፉ በሻሓት ዝቑጸሩ ተፈጢሮም ኣለዉ። በዚ ድማ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ዓመት “ንኹሉ ዝትንክፍ ብዉዱን መልክዕን ኮነ ኢልካ ብዝተገብረን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከምተረግጸ” ይኸስስ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ነዚ ክሲ መሰረት ዘይብሉን ፖለቲካዊ ተልእኾ ዘለዎ ኢሉ ይነጽጎ።

ድሕሪ ብዛዕባዚን ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይን ብዙሕ ምስተዘራረብና፡ “እቲ ብ 23 መስከረም 2001 ካብ ገዛኡ ተወሲዱ ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሃቕ ብህይወት ዶ ይህሉ?” ኢለ ሓተትኩዋ ንሚኒስተር ፍትሒ ፎዚያ ሓሽም።

"መን?" ብምባል እታ ሚኒስተር ፍትሒ ንሕቶይ ብሕቶ መለሰትለይ።

ዳዊት ይስሃቕ።

"ብዛዕባኡ ንብዙሕ ዓመታት ተዛሪብናሉ ኢና። ጉዳዩ  ሕጋዊ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኮይኑ እዩ። ስለዚ በዚ  ዘለኒ ናይ ሚንስተርነት  ፍትሒ ስልጣነይ ብዛዕባኡ ብዙሕ ክብል ኣይክእልን’የ። እዚ ብዛዕባ ብህይወት ኣሎዶ የለን ኣይኮነን እቲ ሕቶ። እቲ ዝፈልጦ ኣነ ሰባት ብዛዕባኡ ክዛረቡ ምስማዐይ ጥራይ እዩ። ጉዳዩ ናብ ኣብያተ ፍርድና ኣየቕረብዎን።” ብምባል ፎዚያ ሓሺም ትዛረብ።

እቶም ‘ንሳቶም’ ትብሎም ዘላ ብዛዕባኡ እንታይ ከምተዛረቡ ኣይገለጸትን፡ መንነት እቶም ጉዳዩ ናብ ቤት ፍርዲ ዘየምጽእዎ’ውን ኣይገለጸትን።

ዳዊት ይስሃቕ ፈጺሙ ኣይተኸሰን፡ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ዝኾነ ይኹን ሰብ ናብቲ ዘለዎ ከይዱ ክርእዮ ኣየፍቀደን፡፣ ብምባል ደጊመ ሓሳበይ ወስ ኣበልኩላ።

"ከም ኤርትራዊ መከላኸሊ ክግበረሉን ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ናይ ኤርትራ ቀሪቡ ክኸሰስ ይኽእል’ዩ። እዚ እፈልጥየ። እንተኾነ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይ’ዚ የብለይን።” ኢላ መለሰት እታ ሚኒስተር

እንተኾነ ብዘይ ፍርዲ ንነዊሕ ዓመታት እኳ እዩ ተኣሲሩ ዘሎ። ስድራ ኣለዉዎ፡ ጓሉ ብዘይ ኣቦ ድሮ ጓል 20 ዓመት ኮይና ኣላ? ምስ በልኩዋ፡

"ኩሉ ነገር ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ክፍታሕ እዩ፡፣ እዚ መሰረታዊ ነገር’ዩ። እንተኾነ እዚ ናይ ወጻኢ ዓለም ንምንታይ እዩ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ምሉእ ስእሊ ኣብ መወዳእታታት ጉዳይ ናይ ዉልቂ ሰባት ዝግደስ?  ምስ ሃገራዊ ጸጥታ ዝተኣሳሰር ሕጊታት ኣለና፡ እቶም ሕጊታት ድማ ግሉጻት’ዮም። ካብ ብዛዕባ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ምዝራብ፡ ስዊድንን ኤርትራን ከም ክልተ ሃገራት ናይ ሓባር ጸገማተን ክፈትሓ ኣለወን፡፣ እቲ ዉሳነ ዝተዋህቦ ግጭት ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ በጽሐ? እቲ ማዕቀብ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?” ብምባል ፎዚያ ሓሺም ተገልቢጣ ሓተትኒ።

ኣብቲ ምስ ፎዚያ ዝዛራረበሉ ዝነበርኩ ንግሆ፡ ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ 11-4, ብዝኾነ ድምጺ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ክቕጽል ወሲኑ።

ስዊድን’ውን እቲ ማዕቀብ ክቕጽል ካብ ዝደገፋ ሃገር እያ ነይራ፡ እታ ሚኒስተር’ውን ነዚ ኣስተውዒላትሉ እያ፡፣

ዳዊት ይስሃቕ ዝተኣስረ ከም ፖልቲካዊ ጂሆ ሒዝካ ንስዊድን  ንምስግዳድ ዘገልግል ሜላ ከምዝኾነ እንተዘይኣመነት’ኳ፡ ከም ሚኒስተር ናይ ፍትሒ ጉዳዩ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ክኽሰስ ሓላፍነታ ከምዘይኮነ ገሊጻ።

ብናታ ኣተሓሳስባ ጉዳይ ዳዊት ብፕረሲደንትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዝተሓዝ ጉዳይ እዩ። ቀጺላ ሚኒስተር ፍትሒ ፎዚያ ሓሽም፡

"ሓደ መብጽዓ ክኣትወልካ ዝኽእል፡ ኣብ ኤርትራዊ ኣጠማምታ ዝምርኮስ ፍትሒ እዩ መወዳእታኡ ዝዕወት። ኣብ ኤርትራ ትካላት ኢና ንሃንጽ ዘለና፡ በዚ ድማ ኢና ነቲ ንሕበነሉ ታሪኻዊ ንሕጊ ዝምእዘዝ ዜጋናን ሕጊ ዘተግብሩ ትካላትን ነማዕብል።"

ስለዚ እቲ ሕቶ ኣብ ዉሽጢ ስራዓተ ሕጊ ኤርትራ’ዩ ክፍታሕ ማለት ድዩ? ኢለ ሓተትኩዋ

"እወ ብርግጽ! እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ እንተቐሪቡ፡ ‘እዚኣቶም ናተይ መሰላትዮም’ ከምኡውን ‘እዚ እዩ እቲ ክኽተሎ ዝግብእ ሕጊ’ ክብሉ እዮም፡ ብዛዕባ’ዚ ኢና ንሰርሕ ዘለና።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ቀጻሊ ስጉምቲ ጉዳይ ናይቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክሲ ምቕራብ እዩ ኢሉ ከምተዛረበ እታ ናይ ፍትሒ ሚኒስተር ፈሊጣ ኣላ። እንተኾነ መዓስ ወይ ብኸመይ ክሲ ክቐርበሎም’ዩ ናብ ዝብሉ ዝርዝር ትሕዝቶ ክትኣቱ ኣይከኣለትን።

"ንሕና ትካላትና ድልዱላት ኮይኖም ኣንጻር ገበነኛታት ሕጊታትና ንምትግባር ኣብ መስርሕ ኢና ዘለና።" ብምባል ነቲ ንሳ ፖለቲካዊ እምበር ሕጋዊ ኣይኮነን ትብሎ ሕቶታት ስለተሓተት ሓሪቓ መለሰት።

ዳዊት ይስሃቕን ካልኦት ጋዜጠኛታት ካብ ዝእሰሩ ዝሓለፈ ወርሒ 23 መስከረም 16 ዓመታት ኣቚጺሮም ኣለዉ 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now