- ንምንታይ እዩ ስርዓተ ኣከዳድና ወይ dress codes ኣድልዩና?
- እቶም ልሙዳት ስርዓተ ኣከዳድና/dress codes ኣየኖት'ዮም?
- ጸሊም ካራቫታ
- ወግዓዊ (Formal)
- ኮክቴል ን ሃውሲ ወግዓዊ/semi-formal
- ዉርዙይ ዕለታዊ ኣከዳድና /Smart casual
- ናይ ዕለታዊ ክዳን/Casual
- ብ ኣካዳድና ባህልኻ ምንጽብራቕ
- ነቲ ኣገባብ ኣከዳድና/dress code ዘይተማልእ እንትኾይንካ'ኸ?
ኣብ ናይ ምዝንጋዕ ወይ ፓርቲ ዕድመ ስርዓተ ኣከዳድና/ dress code ዝብል ናብቲ ዕድመ ክተምጽእ ክትክደኖ ዝግባእ ኽዳውንቲ ከመይ ከምዝመስል ክጸሓፍ ንርኢ ኢና ። ምናልባት ከም 'ጸሊም ክራኣቫታ' ወይ ' ዉርዙይ ተራ ክዳን' ዝኣመሰለ ከንብብ ይኽእል ይኸውን ።
ኮድ ክዳውንቲ ንትጽቢታት እቲ ኣአንጋዲ ኣብ ምምላእን ቃና ናይ ሓደ ፍጻመ በዓል ኣብ ምስራዕን ይሕግዘና ።
እዚ ጠቓሚ መምርሒ እዩ ፣ ኸመይሲ ፡ እቲ ልዕሊ ዓቐን ኣከዳድና ከም ዝዀነ ጌርካ እትሓስቦ ነገራት ፡ ንኻልእ ሰብ ከም ዘይረብሕ ኣከዳድና ክኸውን ይኽእል እዩ። ብ ኣንጹሩ ውን ክኸውን ይኽእል።
ቁሩብ ምርምር ምግባር ብዙሕ ዘኽኽይድ እዩ ፡ ብፍላይ ናይ ኣከዳድና ኮድ እንተዘይተነጺሩ - እንታይ ክኽደን ከምዘለዎ ምሕታት ነውሪ የብሉን ክትብል ኣብ ፋሽን ለበል ፈጠራዊ ዳይሬክተር ኩድራት ማቻር ትገልጽ።
"ነቲ ናይ ኣከዳድና ዓይነት/ ኮድ ክልተ ሳዕ ምረኣኽዎ ።"
ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ብኸቢድ ኩነታትየ ተማሂረዮ ። ከም ዝመስለኒ ህንዳዊ መበቈል ስለ ዘሎና ፡ ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮ ፡ ልዕሊ ዓቕምና ተኸዲና ኢና ንመርዓ ምኻድ እናረኣና ዓቢና ። ልዕሊ ዓቕምና ዝተኸደና ኮይኑ ኣይስምዓናን እዩ ። ከም ዝመስለኒ ኣብ ኣውስትራሊያ ሰብ ብ ኣከዳድና ብዙሕ ኣይግደስን እዩ ።Kudrat Makkar
በዚ ድማ'ዩ ስርዓተ ኣከዳድና ወይ ኮድ ዘለና።
ሓደ ንእሽቶ ምኽሪ
ኣብ መልበርን ካብ ዝመደበሩ ቤት ስፌት ክዳን በስፖክ ጆሹዋ ቶን ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ እኳ እንተ ዘይብልና: ክንስዕቦ እንኽእል ሓፈሻዊ ሕግታት ኣከዳድና ግን ኣሎ ይል ።
"ጸሊም ሕብሪ ዘለዎ ክዳን ንዝያዳ ወግዓዊ ወይ ፎርማል ኣጋጣሚታት ፡ "ንኣንስቲ ፣ ዝያዳ ወግዓዊ እንተኾይኑ ነዊሕ ክዳን፣ ትሕቲ ብርኪ ዝበጽሕ። መብዛሕትኡ ግዜ ፡ እዚ ሕግታትት እዚ ጽቡቕ እዩ ። "
ኣብዚ ነቲ ህቡብ ዝዀነ ናይ ኣከዳድና ኮድ ካብ ኣጸቢቑ ወግዓዊ ክሳብ እቲ ዝተሓተ ዝዀነ ዝርዝር ንርኣዮ ።

Also known as ‘black tie optional’, a ‘formal’ dress code is popular for weddings, formal dinners and corporate events. Source: Getty / Kamal Iklil/Getty Images
እቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እንርእዮ መብዛሕትኡ ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ኣከዳድና ስርዓት ወይ ኮድ 'ጸሊም ካራቫት' ከምዝኾነ ካብ መልበርን ናይ ውልቂ ስተሊስት ሊሳ ስቶክማን ትገልጽ ።
እዚ ኣብ መርዓ: ኣብ ናይ ሽልማት ጽምብላትን ኣብ ናይ ግብረ ሰናይ ጋላታትን ህቡብ ዝዀነ ብሉጽ ናይ ኣከዳድና ኮድ እዩ ።
"እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ሰባት ጸሊም ክዳን: ጻዕዳ ካምቻ: ናይ ጽምብላሊዕ ካራቫት: ከምኡውን ምስቲ ክዳን ዝኸይድ ጸሊም ጫማ ክኽደኑ ትጽቢት ይግበረሎም ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባይታ ዝበጽሕ ወለል ዝበለ ነዊሕ ጋውን ክኽደና ትጽቢት ይግበረለን: መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ እቲ ጋውን ኣዝዩ ዓብዪ ስርሓት ዓለባ እዩ ዝኸውን። ብዙሓት ኣንስቲ ከኣ ናብ ፍሉይ ዕድመ ነአዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማ ይወድያ "በለት ።
ብተወሳኺ ‘black tie optional’ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ናይ 'ወግዓዊ' ስርዓተ ኣከዳድና/ ኮድ ንመርዓ ፣ ወግዓዊ ድራርን ናይ ዓበይቲ ትካላት ጽምብላት ህቡብ እዩ ።
እዚ ናይ ኣከዳድና ኣገባብ/ኮድ ካብ ጸሊም ክራባታ ንታሕቲ ኾይኑ ፡ ተዓጻጻፊ ዝኾነ ኣተራጕማ ኣለዎ ።
ንሰብኡት ፡ በዓል ኳሌታ ካምቻን ግቡእ ክዳንን ሳእንን ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስቲ ወይ ተኣሳሪ ካራቫት ዝግበር ግቡእ ክዳን እዩ ።
"ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሓት ሰብኡት ዋላኳ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምግባር ካራቫታ እናገደፍዎ እንተኸዱ ፡ ምትእስሳሮም ግን ዘ፡ ኣብ ጁባ ትስኳዕ ቅልቅል ዝበለት መንዲል ክውስኽ ይኽእል እዩ" ትብል ሚስ ስቶክማን ። ንኣንስቲ ድማ ፡ ነዊሕ ክዳን ካብ ጽቡቕ ዓለባ ዝስራሕ ስረ ይወድያ ። "
ኣብ መንጎ ወግዓውን/formal ዕለታውን ፡ 'ኮክቴል' ን 'ሓውሲ-ወግዓዊ' ን ዘሎ ጋግ ፡ ንመርዓ ፡ ኮክቴልን ናይ ሕጸ ፓርቲታትን ከምኡ 'ውን ኣገደስቲ ዕለተ-ልደትን ዝውቱራት ናይ ክዳን ኣገባባት/ ኮዳት እዮም ።
ሓውሲ-ወግዓዊ ዝያዳ ዝተሓዝአን ዝተለምደን ጌርካ እዩ ዝውሰድ ፣ ኮክቴል ግን ዝያዳ ፈስቲቫል ክኸውን ይኽእል ።
"ስለዚ ኣብዚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰብኡት ባኖ ክዳን ክኽደኑ ኣለዎም ፡ እንተኾነ ግን ግድን ጸሊም ክኸውን የብሉን ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ብዙሓት ሰብኡት ኣብዚ ኩነታት እዚ ክራቫታ ኣይገብሩን እዮም" ትብል ሚስ ስቶክማን ። "ንኣንስቲ ፡ ኣዝዩ ክፉት ምርጫ እዩ ዘሎ፣ ስለዚ ፡ ኣከዳድና ኣዝዩ ንውሓት ክህልዎ ይኽእል እዩ ።ኣብዚ እውን እንተ ኰነ ፡ ናይ ባድላ ስረ ወይ ክዳን jumpsuit ክትክደን ትኽእል ኢያ "።
ኣከዳድና ኮክቴል ፡ ባህታ ዝፈጥር ፡ በዓል በዓል ዝመስል መግለጺ ባህርያትካን ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ከብሒ ናይ ክዳን ድሩት እንተኾይኑን ርግጸኛ እንተዘይኾይንካን ፡ ጆሹዋ ቶን ፡ ሓንቲ ክዳን ንመብዛሕትኡ ወግዓዊ ናይ ክዳን ኮድ ብዘይ ጸገም ከተገልግል ከም እትኽእል ይኣምን ።
"ስለዚ ፡ ጸሊም ክዳን ኵሎም ጾታታት ክኽደንዎ ይኽእሉ እዮም ። ናይ ብሓቂ ድማ ዝተፈላለየ ዓለባ ወይ ሕብሪ ክጥቀሙ ይኽእሉ... ምስቲ ኮድ ክመሳሰል እዩ ኢልካ ትሓስብ ። "
ምስቲ ክዳን ዝኸይድ ከም ስልማት ፡ ክራባታ ወይ ትርብዒት መንዲል ዝኣመሰለ ነገራት ክትጥቀም ምኽኣል ፡ ን ኣካዳድናኻ ግርማ ክውስከሉ ይኽእል እዩ።

Smart casual is a popular choice for work events and birthday parties. Credit: We Are/Getty Images
እዚ ናይ ኣከዳድና ኮድ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ መዓልታዊ ከም ናብ ፓርክ ጌርካዮ ትኸይድ ክዳንን አግዓዊ ወይ ፎርማል ዘሎ ጋግ ዝሽፍን እዩ።
ዉርዙይ ዕለታዊ ኣከዳድና ንናይ ስራሕ ኣጋጣሚታትን ናይ ዕለተ ልደት ፓርቲታትን ምኽዳን ልሙድ እዩ እዩ ።
"ኣብ ኣውስትራሊያ ደቂ ተባዕትዮ ቺኖስ ወይ ናይ ብሓቂ መስመራት ዘይብሉ ዉርዙይ ጂንስ፣ መልጎም ዘለዎ ካምቻ ፣ ናይ ስፖርት ጃኬት ፣ኣብ ምዝዋር ትወድዮም ሳእኒ ምልባስ ዝውቱር እዩ። ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ፡ ዝተወሃሃደ ዝኾነ ዓይነት ክዳን ክኽደና ይኽእላ እየን ፣ ስለዚ ፡ ናይ ላዕልን ታሕተዋይ ስረን ዝሰማማዕ ሕብሪ ዘለዎ ይገብራ ። ጸሊም ዲናሞ ፡ ጽቡቕ ክዳን ፡ ሽክና ርእሲ ፡ ነዊሕ ሳእኒ ክኽደና ይኽእላ ። ግድነት ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማ ክወድያ ኣይድለን "በለት ።

Black tie is an elegant dress code popular at weddings, award ceremonies, and charity galas. Source: Getty / Mike Powell/Getty Images
እቲ ዝተሓተ ወግዓዊ ናይ ኣከዳድና ስርዓት/ኮድ ፣ ተራ ናይ ኣከዳድና ክዳን ኣብ ኩነታት እዩ ዝምርኮስ ።
ኣብ መዓልታዊ ህይወት፡ ቤት-ጽሕፈት ድዩ ወይስ ኣብ BBQ ?
ኣብዚ ድማ እዩ ከም ጂንስ ዝበለ ቅቡል ስርዓተ ኣከዳድና ዝኸውን ብምባል ሚስ ስቶክማን ትገልጽ።
"ሸበጥ ወይ እተቐደደ ክዳን ዘይኰነስ ፡ ኣብ ውሽጥኻ ጽቡቕ ዝስመዓካ ነገራት ፡ ጽቡቕን ምቕሉልን ክዳን ምኽዳ ።"
ሚስተር ቶን ንስርዓተ መዓልታዊ ኣከዳድና ቀሊል ሕጊ ተኸተል ፡ ወይ ከኣ ብውልቂ ትፈትዎም ፡ ሓውሲ-ተራ ዝኾነ ኣከዳድና ፡ እቲ ወግዓዊ ዘይኮነ ፡ ዝያዳ ኣነጻጺርና ክንርእዮ ንኽእል ።
"ስለዚ ፡ ወትሩ ናይ ላዕልን ታሕትን ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ምኽዳን እመርጽ ። ብላዕሊ ጸሊም እንተኾይኑ ፣ ናይ ታሕቲ ብርህ ዝበል ወይ ብግምጣሉ። እዚ ጽቡቕ ተራ ኣከዳድና ፣ ዳርጋ ወግዓዊ ዝተኸደንካ ይገብር ። ብናይ ስፖርት ጃኬትን ስረን ድማ ክራቫታ ምግባር ኣየድልየካን እዩ ። "

Bridging the gap between formal and casual, ‘cocktail’ and ‘semi-formal’ are popular dress codes for weddings, cocktail and engagement parties and milestone birthdays. Source: Getty / Vstock LLC/Getty Images/VStock RF
ባህሊኻ ንምግላጽ ባህላዊ ክዳን ክትክደን ኣለካ ማለት ኣይኮነን ። ብዛዕባ'ዚ ኩድራት ማቻር ፡
"ብዝርዝር እውን ምገበርክዎ ። ከም መጋየጺ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ምስዛ ዕንቊ ዝተሓሓዝ ናይ ብሓቂ ጽብቕቲ ዕንቊ ኣብ ክሳደይ ምገበርኩ ። ኣነ ድማ ሓደ ቅዲ ወይ ዓለባ ምገበርኩ ፡ እዚ ከኣ ቅቡል እዩ ፡... ። "
እዚ መወዳእታ ዓለም ኣይኰነን ።
"ስለዚ ፡ ብሓቂ እንተ ዘይተረዲእካዮ ፡ ዝከኣለካን ክትገብሮ ዘለካን ክዳን ግበር ፣ ነቲ ኣጋጣሚ ወይ ነቲ ሰብ ከተኽብረሉ ትኽእል ኣካዳድና ተኸዲንካ ምኻድን ፡ ግቡእ ዝመስለካ ምግባርን" ብምባል ሚስ ቶን። "ልዕሊ ኵሉ እዚ እዩ እቲ ኣገዳሲ ዝመስለኒ ።" ብምባል ምኽራ ለጊሳ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au






