ካብ ማቦ ክሳብ ዘመንዊት ኣውስትራሊያ: ዝቐጽል ዘሎ ናይ ደቀ'ባትነት ሕቶ ይግበኣና።

Australia - Bungle Bungles - Eco Tourism

Tamba Banks of the Jaru tribe, whose family once lived in the Bungle Bungles, [known to her people as Billingjal], is one of the traditional owners of the Purnululu national park. Credit: Barry Lewis/Corbis via Getty Images

ኣውስትራሊያ ኣብ መላእ ዓለም ሃብታምን ብዙሕነት ዘለዎ ባህሊ ቀዳሞት ህዝብታት ዘለዋ ሃገር ምዃና ትፍለጥ ። እንተኾነ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ናይ ይግበኣኒን መሰል ዋንነት መሬት ግን ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ምስትርዳእ ይገርመካ ይኸውን ። እቲ ናይ ይግበኣና መሰል ደቀባትነት ኣብ ኣውስትራሊያ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ፤እቲ ናይ ማቦ ጉዳይ ብኸመይ ከምዝጀመረ ፤ እቲ ናይ ደቀባት ሕጊ ዋንነት (Native Title Act ) እንታይ ከምዝኾነን ንምንታይ ንኹሎም ኣውስትራሊያውያን ከምዘገድሶምን ኣብዚ ትሕዝቶ ክግለጽ እዩ ።


መጠንቀቕታ: እዚ ትሕዝቶ ምስልን ኣስማትን ናይ ዝሞቱ ሰባት ኣለዎ።
መሰል ደቀባትነት ፡ መሰል መሬትን ውዕል ወይ ትሪቲን ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኮይኖም ነዚ ባህሊ "ዚ ንምድልዳል ፡ ከምኡ" ውን ምስ ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን ምስ መሬታ ዘራኽቡ እዮም። ብዛዕባ መሰላት መሬትን ውዕልን ኣብ ዝሓለፉ ትሕዝቶታትና ኣቕሪብና ስለዝነበርና ብዛዕባዚ ዝያዳ ክትፈልጥ ትኽእል ።
እዚ ትሕዝቶ ኣብ ናይ መሰል ደቀባትነት ፣ እንታይነት ፣ ታሪኹ ፣ ካብ ናይ መሬት መሰላት ብከመይ ይፍለ ፣ ከምኡውን ሎሚ እንታይ ማለት ከምዝኾነ የተኩር ።
ኣውስትራልያ ንልዕሊ 200 ዓመት ፡ ነቶም ቅድሚ ጸዓዱ ሰፈራ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሪት ኣይላንደርን ብዘይምቕባል ን ኣውስትራሊያ terra nullius, ወይ፡ "ባዶ መሬት" ህዝቢ ዘይነበራ ሌጣ መሬት ተባሂላ ተኣወጀት ።
እዚ ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ጕዳይ ክርክር ፡ ማለት ብ ማቦ ጉዳይ፡ ተቐዪሩ እዩ ።
ብ1982 ኤዲ ኮኪ ማቦ ዝመርሖም ጕጅለ ህዝቢ መርያም: ነተን ኣብ መጻብቦ ቶረስ ዝርከባ ደሴታት ሙረይ ባህላዊ ዋንነት ደቀባት ምዃኑ ኣፍልጦ ዝደልዩሉ ሕጋዊ ጕዳይ ጀመሩ ፣ እዚ ከኣ ካብ ጫፍ ኲንስላንድ ኣብ ጫፍ ኣውስትራልያ እትርከብ ንእሽቶ ጕጅለ ደሴታት እዩ ።
እቲ ጕዳይ ንዓሰርተ ዓመት ዝኸውን ዝጸንሐ ክርክር እዩ ነይሩ ። ድሕሪኡ ፡ ብ1992 ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣውስትራልያ ፡ ደቂ መርየም ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ናይ ዋንነት መሰል ከም ዘለዎም ብምግንዛብ ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ገበረ ። እዚ ብይን እዚ ታሪኻዊ እዩ ነይሩ ፣ ነቲ ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ሕጋዊ ልብ-ወለድ 'ተራ ኑሊዩስ "እውን ኣፍሪስዎ እዩ ።
ድሕሪ እቲ ውሳነ ፡ እቲ መሰል ደቀባትነት ኣዋጅ 1993 ብፈደራላዊ ፓርላማ እዩ ጸዲቑ ።
ብ15 ሕዳር 1993 በቲ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ፖል ኪቲንግ : መንግስቲ ኣውስትራልያ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማቦ ዝሃቦ ምላሽ ንህዝቢ ብወግዒ ገለጸ ።
"እቲ ቤት ፍርዲ ዝገበሮ ውሳነ ፍትሓዊ እዩ ነይሩ ። ንሓሶት ነጺጉን ፡ ንሓቂ ድማ ተኣመነ ። እቲ ሓሶት ተራ ኑሊዩስ እዩ ነይሩ ፣ እዚ ድማ ኣውስትራልያ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይነበራ ሃገር እያ ነይራ ዝብል ። እቲ ሓቂ መሰል ደቀባትነት እዩ ነይሩ ፣ እቲ መሬት ቀደም ናይ ናይ ኣቦርጅናልን ቶረስ ስትረት ኣይላንደር ኣውስትራላውያን ምንባሩን ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሕጋዊ መሰል ምርካቡን ካብቲ ምስ ኤውሮጳውያን ሰፋሮ ን 200 ዓመት ዝጸንሐ ከም ዝደሓነ እዩ ዝገልጽ ። "
ናይ ደቀባትነት መሰል ወይ ኔቲቭ ታይትል ፡ ንገሊኦም ቀዳሞት ህዝብታት ኣብ ባህላዊ ሕግታቶምን ልምድታቶምን ተመርኲሶም ፡ ሕጂ'ውን መሰል መሬቶምን ማያቶምን ዝህብ መሰል እዩ። እዞም መሰላት እዚኦም ብናይ ኣውስትራሊያ ቤት ፍርዲ ተቐባልነት ዝረኽቡ እኳ እንተኾኑ ብመንግስቲ ወይ ብእንካን ሃባን ዝተዋህቡ ኣይኮኑን ።
ናይ ደቀባትነትን መሰል መብዛሕትኡ ግዜ ካል ኦት እናተጠቕምሉ "ምውናን መሰል ዝህብ" ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ ፡ ምኽንያቱ ሓደ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ዝተፈላለየ መሰላት ዘጠቓልል እዩ ። እዚ መሰላት እዚ ፡ ኣብ መሬትን ማያትን ፡ ምህዳን፡ ምግፋፍ ዓሳ ፡ ጽምብላት ፡ ከምኡ እውን ምክንኻን ን ኣገዳሲ ባህላዊ ቦታታት ዘጠቓልል እዩ ።
ኣብ ክንዲ ብንግዳዊ ዋንነት ፡ ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ባህላውን መንፈሳውን ወግዕታት ዝምንጭው ሓባራዊ ወይ ሓባራዊ መሰላት ይቕበል ።
ይኹን እምበር ፡ ናይ ደቀባትነት መሰል ወይ ኔቲቭ ታይትል መሬት ንኻልእ መዓላ ፡ ንኣብነት ንሕርሻ ፡ ንዕደና ፡ ወይ ንናይ ከባቢ መንግስቲ ንጥፈታት ዝትክእ ኣይኰነን ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ፡ እዚ መሰል እዚ ምስቲ መበቆላዊ መሰላት ተተሓሒዙ ኣሎ ። እዚ ማለት ከኣ ፡ ቀዳሞት ህዝብታት መብዛሕትኡ ግዜ ፡ ከም ምስ ሓረስቶት ፡ ዓደንቲ ፡ ወይ ከኣ ባይቶታት ፡ መሬት ብሓባር ይጥቀሙሉ እዮም ።
ንኣባላት ማሕበረሰብ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን ፡ ናይ ደቀባትነት መሰል ክንዮ መሬት ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ - እዚ ብዛዕባ መንነት ፡ ባህሊ ፡ ከምኡ "ውን ናተይነት እዩ።
ናይ ያዉራ መራሒን ኣካዳምያውን ዝዀነ ፕሮፌሰር ፒተር ዩ ከምዚ ብምባል ይገልጽ: -
"ኣየናይ መሰል ደቀባትነት እዩ ነቲ ኣብ ማሕበረሰብካን ኣብ ርክብካን ዝምርኰስ መሰረታዊ ሕግታት ከተመዓራሪ ዕድል ዝህበካ ። ስለዚ ብመሰረቱ እዚ ምስ ናይ ባዕለይ ማሕበረሰብ ዝተኣሳሰር እዩ ። ብዘይካዚ ፡ ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ቀቢላታትናን ዓወት ዘመዝግብ መገዲ ምእንቲ ክንሃንጽ ፡ ብቛንቋታትና ንኽንመሃርን ናጻ ንኽንከውንን ድልዱል መሰረት ዝዀነና እዩ ፣ መዝሙርን ትልሂትን ፡ ከምኡ እውን ባህላዊ ፍልጠት ከነዕቢ መሰል ዝህበና እዩ ። "
GettyImages-830426724.jpg
Australian Prime Minister Paul Keating (1993).
ኣፍልጦ ምርካብ ቀሊል ነገር ኣይኮነን ።
ናይ ደቀባትነት መሰል ንምርግጋጽ ፡ ሕብረተሰባት ምስ መሬት ቀጻሊ ምትእስሳር ከርእዩ ኣለዎም - እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ፡ ብኣፍኣዊ ታሪኽን ዛንታን ናብ ወለዶታት ይመሓላለፍ ።
እቲ ሕጋዊ መስርሕ ዝተሓላለኸ እዩ ፡ ልምዳዊ ሕግን ልምድን ምስ ምዕራባውያን ሕጋዊ መቓን ፈጺሙ ኣይሰማማዕን እዩ ።
ጠበቓ ግዋነት ጎቫርዳሃን ናይ ደቀባትነት ምሰልን ናይ ውርሻ ሕጊን ኪኢላ ሕጊ ብዛዕባ እቲ ብድሆታት ይገልጽ ።
"ንባህሊ ከም መልክዕ ጌርካ ክትርእዮ ትፍትን ኣለካ ፣ ነዚ ባህሊ እዚ ኣብ ውሽጥና ዓቚርና ኽንሰርሖ ንፍትን ኢና ፣ ጸገማት ኣብ ዝፈጥር ነገራት ባዕላዊ ጸገማት ኸጋጥመና ከሎ ፡ እቲ ክንገጥሞ እንጽዕር ዘለና ስርዓት ባዕሉ ስለ ዘይተፈጥረ ፡ እቲ ቅርጺ ንዕኡ ተባሂሉ እተዳለወ ኣይኰነን ።"
Gwynette Govardhan.png
Yinhawangka Law Men Marlon Cooke (left) and David Cox ('Barndu') (right) with Gwynette Govardhan on Yinhawangka Country during a field trip to collect evidence (stories and land markings) of cultural heritage.
ይኹን ደኣ እምበር ፡መሰል ደቀባትነት ናይ ሓቅን ነባርን ለውጢ ኣምጺኡ እዩ ።
እዚ ከኣ ንማሕበረሰባት ቋንቋኦም ክመሓየሽ: መሬቶምን ማዮምን ኽከናኸኑ: ከምኡውን ብዛዕባ ሃገር ኣብ ዝግበር ውሳነታት ብዝሓየለ መገዲ ንኺሳተፉ ሓጊዝዎም እዩ ።
Native Title Act ካብ ዝተኣታቶ ኣትሒዙ ፡ መሰል ደቀባትነት ንከባቢ 40 ሚኢታዊት ኣውስትራልያ ይሽፍን ፡ መብዛሕትኡ ድማ ኣብ ርሑቕን ዞባን ፡ ምስ ሃገር ባህላዊ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ ።
እዚ ግን ምስ ዋንነት መሬት ዝተፈልየ ምዃኑ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ ።
ኣብ ከተማ ወይ ኣብ ርሑቕ ከባቢ ትቕመጥ እንተኾይንካ ከም ብዙሓት ስደተኛታት መሰል ደቀባትነት ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ ኣይቅየርን እዩ - እንተኾነ ምርዳእ ናብ ምክብባርን ዕርቂን ዝወስድ ስጉምቲ እዩ ።
ግዋነት ጎቫርዳን ነዚ ከምዚ ብምባል ይገልጾ: -
"ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እመስለኒ ፡ እዚ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ፡ እንተኾነ ግን ከም ናይ ደቀባታዊ መሰልን ድሌትን ዝኾነ ነገር ንሰባት ብብሕቲ ክጸልዎም ኣይክእልን እዩ..."
Gwynette Govardhan.jpg
Yinhawangka Country in the Pilbara region taken by Gwynette Govardhan during an on Country field trip.
ከምቲ ፖል ከይቲንግ ዝበሎ ብዛዕባ ውሳነ ማቦ ኸስተንትን ከሎ ናይ ደቀባታዊ መሰል ናብ ናይ ኣውስትራሊያ ምሕደራ መሬት ምእታው ብዛዕባ ፍትሒ ንናይ መጀመርያ ህዝብታት ጥራይ ኣይኮነን ንኹሎም ኣውስትራሊያውያን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ።
"ንማቦ ከም ሓደ ዓብዪ ዕድል ጌርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና ። ታሪኻዊ ጌጋ ንምእራም ዕድል ይኽፈተልና ። ታሪኽ ምምንዛዕ መሬት ካብ ናብ ትውልዲ ናይ ምምሕልላፍ ኣጋጣሚ ይፈጥረልና ። ነቲ ኣብ መንጎ መሬት ኣቦርጂንን ባህልን ዝነበረ ናይ መዋእል ርክብ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣጋጣሚ ኸፍተ ። ምንጪ ምረት ንምሕዋይ ዘሎና ኣጋጣሚ ይፈጥር ። ንኣብ ኣቦርጂናውያን ዝምርኮስ ባህልና ከም መለአለዪ ባእታ ናይ ሕዝቢና ኣፍልጦ ብ ምሃብ ፡ እዛ ዘመናዊትን ናጻን ጸዋርን ኣውስትራሊያ ፡ ንኹሎም ፡ እንተላይ ነቶም ቀዳሞት ኣውስትራሊያዊያን ፡ ውሕስትን ብልጽግትን ቦታ ክትከውን ከም እትኽእል ዝተኣማምን ዕድል ዝፈጥር እዩ ። "
ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ መሰል መሬትን ውዕልን ናይ ደቀባትነ መሰል ዝግበር ምይይጥ ዝቕጽል እዩ ። እዚ ሰለስተ ነገራት እተፈላለየ ሕጋውን ፖለቲካውን መስርሕ እኳ እንተ ኣለዎ ፡ ኵሎም ግና ነቲ ቀዳሞት ህዝብታት ምስ ሃገር ዘለዎም ምትእስሳር ኣለልዮም ፡ ንርእሰ ውሳነኦም ክድግፉ እዮም ዝደልዩ ።
"ምድርናን ባህልናን ቋንቋናን ማሕበረሰብናን ክህልወና ኣለዎ ። ንዕብየት ኣይንጻረሮን ኢና ፣ ግናኸ ፡ መሰረትና እዚ ክኸውን ኣለዎ " ።
ናይ ደቀባትነት መሰል፡ ሓደ ክፋል እቲ ኣውስትራልያ ብቐጻሊ ኣፍልጦ ትህበሉ ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝጠንተወ ህሉው ባህሊ ከኣ ምስ ሃገሮምን ማያቶምን ዝተሓሓዝ ከም ዝህሉ ምግባር እዩ ።
Audio of Prime Minister Paul Keating’s 1993 address courtesy of the National Archives of Australia (NAA).

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.   

Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au 

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service