ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ታሕሳስ 2022)

SBS Tigrinya Credit: Getty Images
ጸብጻባት፥ * ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፕለቲከኛታት፣ ተመሃሮን መምህራንን ዝርከብዎም 72 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ኣፍሊጦም፣ ሰለስተ ተጣባቕቲ መሰላት ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዝምልከት ናብ ኮሚሽን ሰባዊን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ጥርዓን ኣቕሪቦም፣ ወናኒ ፌስቡክ ዝኾነ ኩባንያ ሜታ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክሕተት ክሲ ቀሪብሉ፣ ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጸገም ወዲቖም * ምምሕያሽ ኣብ መንጎ ጾታታት ዘሎ ጋግ ደሞዝ ለውጢ ከየርኣየ ደው ኢሉ ዘሎ ይመስል። ወኪል ማዕርነት ጾታታት ኣብ ቦታ ስራሕ ዝኾነ The Workplace Gender Equality Agency ፍልልያት ክፍሊት ኣብ መንጎ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝሓለፈ ፋይናንሳዊ ዓመት ኣብ 22.8% ጸኒሖም ኢሉ። እዚ ማለት ብማእከላይ ገምጋም ሓንቲ ጓለንስተይቲ ካብ ሓደ ወዲተባዕታይ $26,596 ዝተሓተ የእትያ/ኣታዊ ኔርዋ ማለት'ዩ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ * ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ተኻይዶም ንፍጻመ ዝገጥማ ጋንታታት መነመነን ምዃነን ተፈሊጠን ኣለዋ። ጽሟቕ ትሕዝቶ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመን ዝፈጠርዎ ስምዒታትን ዝትንትን ትሕዝቶ * ኣብ ኣውስትራልያ መዓልታዊ ሓደ ኣብ ጫካታትን ጣሻታትን ክናፈሱ፣ ክዛወሩ ዝኸዱ ወይ ጉዕዞ እግሪ ዝፍጽሙ ሰባት (ቡሽዋከር) መስርሕ ምድሓን ይግበረሎም። ግቡእ ምድላው ምግባር ኣብ ከም’ዚ ንጥፈታት እንከለኹም ክትጠፍእሉ ትኽእሉ ዕድል ይቕንሶን ክትርከብሉ ትኽእሉ ዕድል ከኣ ይውስኾን። ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ መደብና ሓያሎ ምኽርታት ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ
Share