ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ታሕሳስ 2022)

Full Podcast

SBS Tigrinya Credit: Getty Images

ጸብጻባት፥ * ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፕለቲከኛታት፣ ተመሃሮን መምህራንን ዝርከብዎም 72 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ኣፍሊጦም፣ ሰለስተ ተጣባቕቲ መሰላት ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዝምልከት ናብ ኮሚሽን ሰባዊን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ጥርዓን ኣቕሪቦም፣ ወናኒ ፌስቡክ ዝኾነ ኩባንያ ሜታ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክሕተት ክሲ ቀሪብሉ፣ ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጸገም ወዲቖም * ምምሕያሽ ኣብ መንጎ ጾታታት ዘሎ ጋግ ደሞዝ ለውጢ ከየርኣየ ደው ኢሉ ዘሎ ይመስል። ወኪል ማዕርነት ጾታታት ኣብ ቦታ ስራሕ ዝኾነ The Workplace Gender Equality Agency ፍልልያት ክፍሊት ኣብ መንጎ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝሓለፈ ፋይናንሳዊ ዓመት ኣብ 22.8% ጸኒሖም ኢሉ። እዚ ማለት ብማእከላይ ገምጋም ሓንቲ ጓለንስተይቲ ካብ ሓደ ወዲተባዕታይ $26,596 ዝተሓተ የእትያ/ኣታዊ ኔርዋ ማለት'ዩ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ * ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ተኻይዶም ንፍጻመ ዝገጥማ ጋንታታት መነመነን ምዃነን ተፈሊጠን ኣለዋ። ጽሟቕ ትሕዝቶ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመን ዝፈጠርዎ ስምዒታትን ዝትንትን ትሕዝቶ * ኣብ ኣውስትራልያ መዓልታዊ ሓደ ኣብ ጫካታትን ጣሻታትን ክናፈሱ፣ ክዛወሩ ዝኸዱ ወይ ጉዕዞ እግሪ ዝፍጽሙ ሰባት (ቡሽዋከር) መስርሕ ምድሓን ይግበረሎም። ግቡእ ምድላው ምግባር ኣብ ከም’ዚ ንጥፈታት እንከለኹም ክትጠፍእሉ ትኽእሉ ዕድል ይቕንሶን ክትርከብሉ ትኽእሉ ዕድል ከኣ ይውስኾን። ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ መደብና ሓያሎ ምኽርታት ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ታሕሳስ 2022) | SBS Tigrinya