ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ጥቅምቲ 2022)

Full Podcast SBS Tigrinya Credit: Getty Images
* ዜና * ደብዳብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝርከቡዎም ሰባት ቀቲሉ፣ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት እንትቕጽሉ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት ክውስኽ’ዩ ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት ኣጠንቂቖም፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዖም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ መካይን ዝርከብኦም 38 ዓይነት ናውቲ ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ ከልኪሉ፣ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ አልቡርሃን ኣብ ፎረም ጣና ተሳቲፉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ዝብሉ ጸብጻባት * ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነዚ መንግስቲ ክፉል ዕረፍቲ ወሊድ/ፐይድ ፓረንታል ሊቭ ናብ 6 ወርሒ ከናውሖ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ንስድራቤታት ኣብ’ቲ ደቆም ንወለዶም ዘለልይሉ ወሳኒ እዋን ዝለዓለ ምትዕጽጻፍ ክህልዎም ከኽእሎም’ዩ ይብል። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ መልበርን ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣውስትራልያውያንን ኤርትራውያንን ብዙሓት ዕዱማት ዝተረኽብሉ ስፖርታዊ ንጥፈታትን መግብታትን ዝሓዘ ዓቢይ ምትእኽኻብ ኣካይዶም። ነዚ ምትእኽኻብ ዘወሃሃደ ማሕበር ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣብ ህዩምን ሰሜንን ኮይኑ ውዕሎ’ቲ መዓልቲ ዝጽብጽብን ምስ ሓደ ካብ መስረቲ ኣቶ ያሲር ዓብዱረሒም ማሕሙድን፣ ካብ ኣካየድቲ ኣቶ ኻልድ ኢብራሂምን ዘካየድናዮ ዕላልን ንሎሚ ዝቐርቡ’ዮም። * ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣብ ማራቶን ኣምስተርዳም ብክልቲኡ ጾታታት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ምዕዋቶም፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንዝመጹ ክልተ ዓመታት ምስ ጋንታ ትረክ ሴጋፍሬዶ ክጽንበር ምዃኑ፣ ቀ/ሚ ሶማልያ ንመንእሰያት ት17 ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጽሑን እቶም መንእሰያት ከኣ ሻምፒዮን መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ት17 ምዃኖምን፣ ኣባላት’ታ ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ኣብ ዎሎንጎንግ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ገለ ሽዱሽተ ኣብ ኣውስትራልያ ተሪፎም ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምርግጋጹን ዝትንትኖም ኣርእስታት’ዮም።
Share