ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መጋቢት 2025)

World - Tigrinya.jpg

ን ሎሚ 07 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ : መምህር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ ስድራ ቤቱ ብምእላይን ነቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምግልጋልን ኣሕሊፍዎ። ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ወዲሰብ ብምዃኑ ከኣ፡ ብ27 መጋቢት 2025 ካብዛ ዓለም ተፈልዩ፡ መላእ ነበርቲ ማሕበረሰብ ከተማ ብርስቤንን ከባቢኣን ካብ ወጻኢ ድማ ብማንዛን ብዓቢ ስነስርዓት ብ 6 ሚያዝያ 2025 ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ናይ ቀረባ መቓልስቱን ንነዊሕ ዓመታት መናብርቱን ዝኾነ ኣቶ ሚካኤል (ወዲ ቐሺ) ብዛዕባ ህይወት መምህር ጸጋይ ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ሽልማት ሕሩያት መማህራን ተጀሚሩ። ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምሳደር ኣሜሪካ ተዛትዮም። ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያን ሕብረት ኣፍሪቃን ፡ ምስ ወከልቲ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሕብረት ርክባት ኣካይዱ። ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 240 ሚልዮን ዩሮ ድጋፍ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ንብርጣኒያ ተቓውሞ ኣስሚዑ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ለበር ን ኣድመጽቲ ንምስሓብ ወነንቲ ቤት ፡ ዝሓሰረ ጸዓት ንኽረኽቡ ፡ ን ባተሪታት ዝኸውን ናይ 4,000 ዶላር ምወላ ተመባጺዑ ኣሎ ። ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን [2 ሚያዝያ] ሓድሽ ታሪፍ ፡ ዒላማ ዝተገብረለን ልዕሊ 50 ሃገራት ድርድር ክገብራ ከምዝቐረባ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም ። ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ (ኪንግስተን ግራንድ ስላም ትራክ) ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service