ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ጥቅምቲ 2025)

ን ሎሚ ሰኑይ 27 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ንኣውስትራልያዊ ዘይወግዓዊ ኣዘራርባ ወይ ዘረባ ሹቕ (Australian Slang) ክለምድዎ ንብዙሕ ዓመታት ተሸጊሮም ጸንሒሞ'ዮም። እንተኾነ ግን እዛ ሃገር ዝያዳ ብብዙሕነት ሃብታም እናኾነት ኣብ ትመጻሉ ቋንቋ እንግሊዝ ንዛረበሉ ኣገባባት ይቕየር ኣሎ ክብሉ ክኢላታት ይገልጹ፡ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ቃለ መሕትትን ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብን ካልእን ኣለና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ሓደሽቲ ተምሃሮ ይቕበል ኣሎ። ኤርትራ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ፈቲሓ። ኣብ ኤርትራ ሂወት 8 ዜጋታት ዝወሰደ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙ። ቤት ምኽሪ ጁቡቲ፡ንገደብ ዕድመ ፕረዚደንትነት ኣልዒልዎ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰራዊት ሕይልታት ህጹጽ ደገፍ (R-S-F) ን ሰራዊት ሱዳን ስዒሮም ንዋና ከተማ ዳርፉር ኣልሻፋ ምሓዞም ገሊጾም። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብቲ ዝግበር ዋዕላ ኣስያን ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ስራሕን ጸጥታን ከም ዘተኵር ገሊጹ ። ** ኣብ መንጎ ፊፋን ኣሲያን እተገብረ ስምምዕ መሰረት ኣብ መንጎ 11 ሃገራት ስፖርታዊ ዉድድር ክጅመር እዩ።
Share




