ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ግንቦት 2024)

on the Studio.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 30 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ኣገባብ ኣበዓዕላ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምስቲ መዓልቲ ተተሓሒዙ ዝቐርብ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክንጸባረቑ ቀንዮም ኣለዉ። ኣብ ደምበ ተቓዉሞ ዝጸንሑ ነበርቲ ኣውስትራሊያ ኣብዝተገብረ ጽምብል ክንርከብ ኣለና ብምባል ቅድሚ ሕጂ ክገብርዎ ዝጸንሑ ብዝተፈልየ ክገብሩ ዘገበረ ኩነታትን ምስቲ ኣብ ደምበ ተቓዉሞን ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ክሓትዎ ዝጸንሑ ሕቶታትን ዝምልከት ናይ ሎምን ትማልን መትከሎምን ክልተ ዕዱማት ገሊጾምልና ኣለዉ። እቲ ምስ ኣቶ ወልደየሱስ ገብራይን ኣቶ ሞሓመድ ኢማም ዓብዱራማንን ዝገበርናዮ ዘተ ካል ኣይን ናይ መውዳእታን ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምትርከብ ፓትርያርክ ብጹእ ኣቡነ ማትያስ ገሊጾም። ኣብ መቐለ ብ 3.6 ቢሊዮን ብር በጀት ዝህነጽ ዘሎ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ምምዝባልን ስደትን ህዝቢ ሱዳን ከብቅዕ ጸዊዑ ። ። ኣብ ሰሙናዊ መደብ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) ባህሊ ምስታይ ቡን ኣውስትራሊያ፡ ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ናብ ራፋ ንመጥቃዕቲ ታንክታት ልኢኻ ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ድምጾም ንምሃብ ናብ ነቑጣታት መድመጺ ውሒዞም ። ኣብ ርእሲ ከተማ ሕንዲ ዝዀነት ደልሂ ፡ ካብ ቅድሚሕጂ ዝዛየደ 52.3 ዲግሪ ሰንቲግሬድ [ብረቡዕ 29 ግንቦት] ብርቱዕ ሙቐት ተመዝጊቡ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service