ንሎሚ 31ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ኣብ ሰሙን 130,000 ገጻት ሰባት ይሰኣሉ: ንኣካይዳ ፖሊስ ኣውስትራልያ ዝቕይር ብዛዕባ ዘሎ ቴክኖሎጂ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።
ፍሉጥ ብጊታር ናይ ትግርኛ ዘያማይ ዮሱፍ ስዒድ’ውን ኣብዝሓለፈ ሰሙን ማለት ዕለት 24 ነሓሰ 2026 ካብዚ ዓለም ድኻም ኣዕሪፉ ኣሎ። ንዝኽሩ ቅድሚ ሕጂ ምሳና ኣብዚ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት መሊስና ናባኹም ዘበልናዮ ካል ኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ናባኹም ከነብሎ ኢና።
ኣርእስታት ጸብጻብ ልኡኽና ፡
ተሓጋጋዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ፍራንክ ጋርስያ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ፤ ጌታቸው ረዳ፡ ንሰራዊት ሱዳን ከሲሱ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ካብ ሞቓዲሾ ተሰናቢቱ።
32 ኤርትራውያን ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝተኣሳሰረ ብፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ቲፋኒ ሓድሽ፡ንሚስ ዎርልድ ኤርትራ ስኒት ሃብተኣብ ድጋፋ ገሊጻ።
ኡጋንዳ ኣብ ፍልስጤም ከባቢ ጋዛ ንዝካየድ ኣህጉራዊ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም 1200 ሰራዊት ከተበርክት ምዃና ተሓቢሩ።
ኣርእስታት ዜና፥
መራሒት ሰልፊ ዋን ኔሽን ፖሊን ሃንሰን ፡ ኣብ መልበርን ኣብ እተገብረ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኽትኸይድ ፍቓደኛ ብዘይምዃና ዉርደት ገጢምዋ ።
ሓይልታት ኣመሪካ ወንጨፍቲ ሮኬታት ሚሳይል ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ወቒዖም ፣ እዚ ድሕሪ ኣዋርሕ ናይ መጀመርታ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እዩ ።
ኣብ ሲድኒ ኣብዝተገብረ ማራቶን ጉያ እግሪ ኢትዮጵያዊ አዲሱ ጎበና ብክልተ ሰዓትን ኣርባዕተ ደቒቕን 42 ካልኢትን [2: 04: 42] ብምእታው ክብረ ወሰን ሰይሩ ።






