130,000 ገጻት ሰባት ኣብ ሰሙን ይሰኣሉ: ንስርዓተ ፖሊስ ኣውስትራልያ ዝቕይር ዘሎ ቴክኖሎጂ ነዊሕ ክእመነሎም ዝጸንሑ ትጽቢታት ብዛዕባ ህይወት ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ብሰላሕታ ደጊሞም ይጸሓፉ’ለዉ ክብሉ ክኢላታት የጠንቅቑ።
ሰብሰርሖ ብልሒ (ኣርቲፊሺያል ኢንተሊጀንስ) ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ክፍልታት ፖሊስ ይጥቀሙሎም ኣለዉ፣ ክኢላታት ግን ኣብ ኣጠቓቕማ’ዚ ቴክኖሎጂ እቶም ደረታት/መስመራት ብንጹር ክቕመጡ ኣለዎም ክብሉ የጠንቅቑ፣ ነቲ ኣብ ልብወለዳዊ መጽሓፍ 1984 ናይ ጂዮርጅ ኦርወል ዘሎ ዲስቶፕያዊ ዓለም ድማ ከም ተኽእሎ ክውገድ ዘለዎ መጻኢ ኢሎም ይገልጽዎ።
ክፍልታት ፖሊስ ን “ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስለያዊ ምክትታል” ን “ኣማቲ/ትንበያዊ ኣካይዳ ፖሊስን” ኢሎም ምጥቃም ኤኣይ ይጅምርዎ ኣለዉ ክብል ፕሮፈይሰር ቶቢ ዎልሽ ካብ ትካል መጽናዕቲ ኤኣይ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ኒውሳውዝዌልስ ንኤስቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።
ኣብ ግዝኣት ወስተርን ኣውስትራልያ፣ ፖሊስ ንምስሊ እግረኛታት ኣብ ጎደናታት ክቓንዩን ገጻቶም ድማ ምስ’ቶም ዝሓዝዎም ዝርዝራት ተደለይቲ ሰባት ከነጻጽሩ ገጽ ዘለሊ ሶፍትዌር ኤኣይ (ኤኣይ ፋሻል ሪኮግኒሽን ሶፍትዌር) ክፍትኑ ጸኒሖም። ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ’ቲ ፈተነ፣ 130,000 ሰባት ምስሎም ተፈቲሹ፣ ናብ ምትሓዝ 18 ሰባት ድማ ኣምሪሑ።
ዎልሽ፣ ብዙሓት ሰባት በቲ ውጽኢት “ዝሕጎሱ” እንተኾኑ’ኳ ከምኡ ዓይነት ብቃልዕ ስለያዊ ምክትታል “ምብሕጓግ ናይ’ቶም ክብሪ ንህቦም ነገራት እዩ፣” ክብል ገሊጹ።
"እቲ ሕቶ ንረብሓታት’ቶም ቴክኖሎጂታት ዘምጽእዎም ክንብል ክሳብ ክንደይ ነዚኦም ክብርታት ከነረክቦም/ክንሸጦም ድሉዋት ኢና ዝብል’ዩ።”
ኣብ ካልኦት ሃገራት፣ ትንሳኤ ኤኣይ ኣብ ስለያዊ ምክትታል ቴክኖሎጂ በብግዚኡ ኣካታዒ እናኾነ ዝኸይድ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ።
ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ኣንጻር ስለያዊ መከታተሊ ካሜራታት ናይ’ቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ካሜራታት ኣብ መላእ ሃገር ዘለውኦ ትካል ኤኣይ ፍሎክ ሰይፍቲ፣ ዜጋታት ስጉምቲታት ክወስዱ ጸኒሖም። ሰባት ነቶም ካሜራታት እናዕነውዎም ዘርእዩ ቪድዮታት ማሕበራዊ መድረኻት ብልዑል ናህሪ ተዘርጊሖም።
ሓላፊ ፖሊሲ ኣብ ተጣባቒ ጉጅለ ዲጂታል ራይትስ ዎች፣ ቶም ሳልስተን፣ ካሜራታት ትካል ፍሎክ ኣብ’ዚ እዋን ካብ ዩኤስ ወጻኢ ኣብ ኣገልግሎት ዘይወዓላ’ኳ እንተኾና “ብዙሓት” ኩባንያታት ኣብ ኣውስትራልያ “ተመሳሳሊ ነገራት” ይፍጽማ ኣለዋ ክብል ንኤስቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።
ብሰራዊትን ሓይልታት ኢሚግረሽን ዩኤስን ውዕል ዝተዋህቦ ትካል ኣናሊቲክስ ዩኤስ ፓላንቲርን ምስ እኽበርቲ ሕጊ ዝሰርሕ እስራኤላዊ ኩባንያ ዲጂታዊ መርመራታት (ዲጂታል ፎረንሲክስ) ሰለብራይትን፣ ክልቲኦም ኣብ መንግስታውን ብሕታውን ውዕላት ኣብ ኣውስትራልያ ሚልዮናት ዶላራት ኣለዎም።
"ከተሓሳስበና ኣለዎ፣” ብምባል ሳልስተን፣ “ስለያዊ ምክትታትል ከይተፈጸመና ናብ ህዝባዊ ቦታታት ክንወጽእ መሰል ኣለና፣ ኣሃዛት ስነህይወታዊ መዐቀኒታት (ባዮሜትሪክ ዳታ) ናብ ክላውድ ከይተጻዕነን ከይተቐመጠን፣ ከምኡ’ውን ብልክዕ ንዘይንፈልጦም ዕላማታት ክጥቀሙ ከይተገብረን፣” ክብል ገሊጹ።
ክልቲኦም መንግስታት ኣብ መላእ ሃገር ኣትኩርኦም ብቕልጡፍ ንሕግታት ውልቃዊ ሓበሬታ ናብ ምስፋሕ ከዙሩ ኣለዎም ይብሉ፣ ከም መነጽራት ዝኣመሰሉ ብፍላይ ተኸዲንካዮም ወይ ኣብ ነብስኻ ወዲኻዮም ትኸይድ ቴክኖሎጂ ስለያ ዝያዳ ኣስፋሕፊሖም ኣብ ዝሃለዉሉ።
"ንስለያዊ ምክትታል ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ሸፈነ ዝህቡ ገለ እማመ ሕግታት ኣለዉና’ዮም፣ ግን ናብ’ቲ ዕዳጋ ዝኣትዋ ኩባንያታት እናበዝሓ ኣብ ዝኸዳሉ፣ ንምፍኳሶም ዝህልዉ ጸቕጥታት ድማ ብኡ መጠን ይበዝሑ፣” ይብል ሳልስተን።
ኤኣይ ነቶም ቀደም ዘይከኣሉ መጠናት ስለያዊ ምክትታል ብምቅላል ንቡር ገይርዎም ኣብ ዝሃለወሉ፣ ዎልሽ ሓደ መስመር ኣብ መንጎ ስትረት (ፕራይቨሲ) ን ጸጥታን “ብንጹር ክቕመጥ ወይ ክሰኣል” ኣለዉ ክብል ይማጎት።
"እቲ ሓደ ነገር ጂዮርጅ ኦርወል ዝተጋገዮ፡ ሰባት ንሰባት ዝከታተልዎ ወይ ዝሕልውዎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኮምፒውተራ፣ ብፍላይ ድማ ሰብሰርሖ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ንሰባት ክከታተሎም ወይ ክሕልዎም’ዩ፣” ከኣ ኢሉ።
ካሜራታት ፍሎክ እንታይ ይገብሩ፧
120,000 ካሜራታት ፍሎክ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብብዝሒ ቁጽሪ ታርጋን ሓበሬታ መኪናን ንሓደ መወከሲ መኽዘን ኣሃዛት ይምዝግባ።
እቲ ኩባንያ ኣብ ጃምላዊ ስለያዊ ምክትታል ስራሕ ዘይኮንኩ ኣብ ምክልኻል ገበንን ግብረመልስን ጥራይ’የ ዝዕልም ይብል። እቲ ዝእክቦ ሓበሬታ ወይ ዳታ ድማ ብፍሉይ ተመሳቒሉ (ኢንክሪፕትድ ኮይኑ)፣ በቲ ኩባንያ ን30 መዓልታት ጥራይ ዝተሓዝን፣ እቶም መዝገብ ከፊቶም ዝኣትዉ ዓማዊል ጥራይ ዝርእይዎ ወይ ዝኸፍትዎ’ዩ።
ሳልስተን እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ፣ “ናይ ኩሉ’ቲ ናብ ህዝባውያን ቦታታት ወይ ደገ ዝወጽእ ኩሉ ሰብ ሃብታም ስለያዊ ኣሃዛት ንምፍጣር” ምስ ካልኦት ካብ በዓል ፓላንቲር ዝኣመሰሉ ኩባንያታት ዝእከብ ኣሃዛት ብቐጸላታት ክጽፍጸፍ ይኽእል ክብል ኣዘኻኺሩ።

"ከምኡ ክገብሩ ጸኒሖም’ዮም፣ ነዚ ድማ ኣሰራርሓታት ቅድመ-ገበን (ፕሪክራይም ሲስተምስ)፣ ገበናት ኣበይ ይፍጸሙ ክትንበ ዝፍትንን ንፖሊስ ድማ ሓደ ገበን ኣበይ ክፍጸም ይኽእል ዝሕብር ማለት’ዩ፣ ክጥቀምሉ ጸኒሖም’ዮም።” ኢሉ።
ከም’ዚ ዓይነት ኣሰራርሓታት ወይ ሲስተምስ፣ ንኣብነት ብዙሓት ናውቲ ኤኣይ (ኤኣይ ቱልስ)፣ ኣብ መልሲታቶም ብብዝሒ ኣድልዎ የርእዩን፣ “ነቶም ከም ልምዲ ብዝያዳ ኣብ ትሕት ክትትል ፖሊስ ዝኣተዉ ህዝብታት፣ ሓደስቲ መጻእቲ ድዮም ወይ ጸዓዱ ዘይኮኑ ሰባት፣” መሊሱ ሓይሎም ከግድፎም የገልግል ካብል ሳልተን ሓቢሩ።
"ሓቀኛ ጸገማት ሲቪላዊ ሓርነታት (ሲቪል ሊበርቲስ) ኣለዉ።”
እታ ኩባንያት ዝኾነ ዓለምለኻዊ ተበግሶታት ክሳብ ሕጂ እንተዘይወሰደት’ኳ፣ ዋና ኣካያዲ ፍሎክ ጋረት ላንግሊ ነቲ ብተዛማዲ ዝተማእከል ፖሊስ ኣውስትራልያ - ኣብ ሸሞንተ ሓይልታት ዝተዘርግሐ - ከም ሓደ ከም ተኽእሎ ሃብታም ዕዳጋ ስግርባሕሪ ገይሩ ገሊጽዎ።
ብኤኣይ ዝካየድ ሓለዋ ፖሊስ ኣብ ኣውስትራልያ
ኣውስትራልያ ንብቕዓት መርበባት ፍሎክ ዝዳረት ዝኾነ ነገር እንተዘይሃለዋ’ኳ፣ ሓይልታት ፖሊስ ግን ኣብ ስርሒታቶም በብግዚኡ ዝያዳ ኤኣይ ይጥቀሙ’ለዉ።
ፖሊስ ኒውሳውዝዌልስ ኣብ’ቲ መርበብ ሓበሬትኦም፣ ንሶም ብቐዳምነት ኣብ ምጥቃም ኤኣይ ን “ኣውቶማቲክ ምምስራሕ ልዑል ብዝሒ ዘለዎም ኣሃዛት ንምልላይ ኣገደስቲ ሕግታት፣ መስርሓትን ናይ ቅድሚ ሕጂ ተርእዮታትን” ከምዝግደሱ ኣዘኻኺሮም፣ እንተኾነ ግን “ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣብ ምክልኻል/ምቕናስ ገበን ከመይ ክትጥቀመሉ ይከኣል ሓደስቲ ኣገባባት” ዝብሉ ይምልከትዎ ኣለዉ።

ኣብ’ዚ እዋን፣ ምምስራሕ ልዑል መጠን ዘለዎም ኣሃዛት ወይ ዳታ፣ ንኣብነት ሞባይል ቴሌፎን ሰብ መካይን ይጥቀሙ እንተሃልዮም ምርካብ (ዲተክት ምግባር) ወይ በደላት ዘይምጥቃም መቐነት ኮፍ መበሊ (ሲት በልት) መኪና፣ ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብማሺን ለርኒንግ’ዮም ዝካየዱ ዘለዉ። ፖሊስ ቪክቶርያ ከምዘዘኻኽሮ ኤኣይ በደል ከምዝተፈጸመ ዘመልክት ወይ ዝሕብር ኮይኑ ሰባት ይግምግምዎ ወይ ደጊሞም ይርእዮን መቕጻዕቲ ይብይኑን።
ዎልሽ ዘገምታዊ ንቡር ምዃን ኤኣይ ናብ ዕለታዊ ኣተሓሕዛ ፖሊስና ናብ “ንማሺን ይስርሓዮ ኢልና ንገድፈሉ ዝንባለ” ዝምዕብለሉ ከምርሕ ይኽእል ብምባል መጎተኡ የቕርብ።
ዝያዳ ብሓፈሽኡ፣ ንሱ እቲ ሕጊን ሰብኣዊ ትግባረኡን ኣብ’ዚ መዳይ በቲ ዝያዳ ተሪር ዝኾነ ኣካይዳ ወይ ፋሽን ዝሰርሕ ኤኣይ ተቐዲሞም’ዮም ክብል ይማጎት።
"እዚ ህዝባዊ ተቐባልነት ብልክዕ ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን’የ፣” ክብል ወሲኹ።
ኣብ ዩኤስ፣ ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ብውሑዱ 50 ኣባላት ኣኽበርቲ ስነስርዓት፣ ንሓበሬታ ፍሎክ ወሲኽካ - ቀረብ ኣሃዛት፣ ንምክትታል ናይ ፍቕሪ መጻምድቶም ወይ ናይ ቀደም መጻምድቶም ነበር፣ ብዘይኣገባብ ተጠቒሞም ተባሂሎም ከምዝተኸሰሱ ጸብጺቡ። ኣብ ኣውስትራልያ’ውን ደርዘናት ኣባላት ፖሊስ ብተመሳሳሊ በደላት ተኸሲሶም’ዮም።
"ብዛዕባ’ቲ ንእክቦ ኣሃዛት/ሓበሬታታት/ዳታ ኣዚና ክንጥንቀቕ ኣለና፣ ነቶም ክኸፍትዎ ወይ ክርእይዎ ፈቓድ ዘለዎም ሰባት ድማ ክንከታተሎም ኣለና፣” ክብል ሳልስተን ይገልጽ።
መንግስቲ ኢዱ ከእቱ ወይ ክሳተፍ ንደሊ
ምጥቃም ኤኣይ ኣብ ቴክኖሎጂ ስለያዊ ምክትታል ንስራሕ ፖሊስ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን።
ኣብ 2024 ኮልስ ሓይሊ ሰቡ ብዝለዓለ ንምጥቃምን ኣብ’ቶም 840 ዓበይቲ ዕዳጋታቱ (ሱፐርማርኬታቱ) ኣብ ኣውስትራልያ ሰንሰለታት ቀረብ ንምጽፋፍን ምስ ፓላንቲር ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ።
ባኒንግስ ብኤኣይ ዝዝወር መልክዕ ሰብ ዘለሊ ቴክኖሎጂ ንዓማዊሉ ኣብ ዕዳጋታቱ ክከታተል ይጥቀም።
ሳልስተን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህቡብነት ኤኣይ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ሻቕሎታት ስቱርነት ሓበሬታ ብዝለዓለ መጠን ኣንሂርዎ፣ እዞም ሕጂ ዘለዉ ሕግታት ድማ “ብልክዕ ንዓና ይሰርሑልና የለውን፣” ብምባል ገሊጹ።
"እዚ መንግስቲ ምትእትታው ክገብር፣ ምትዕርራይ ስቱርነት ሓበሬታ ቀዳምነት ክህብን እቶም ዘለዉ ሕግታት ነዞም ዘጋጥሙና ዘለዉ ስግኣታት ክንገጥሞም ዘኽእሉን ምዃኖም ከረግጋጽን የድልየና።” ክብል ተዛሪቡ።
ዎልሽ እዛ ሃገር ምልዓል ኤኣይ ብጥንቃቐ ክትሕዞ ከድልያን ካብ’ቶም ከም ግብረመልሲ ዝተኣታተዉ መቆጻጸሪታት ማሕበራዊ መድረኻት (ሶሻል መድያ) ክትመሃርን የድልያ ኢሉ ሓቢሩ።
"ግሉጽነት ንደሊ፣ ህዝቢ ኣበይን መዓስን ኣብ ጠቕሚ ይውዕል ኣሎን የሎን፣ ኣብ ትሕቲ ከመይ ኩነታትን ደረታትን ዝብሉ መረጋገጺታት ክወሃቦ የድሊ።” ክብል ወሲኹ።
"ኣብ’ዚ ማሕበራዊ ፈቓድ (ሶሻል ላይሰንስ) ሕጂ’ውን ኣሎ፣ ግን እንዘይተጠንቂቕና ኣዝዩ ቀልጢፉ ክጠፍእ ይኽእል’ዩ ዝብል ጠርጠራ ኣለኒ።”






