ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 መጋቢት 2024)

ንሎሚ ሓሙስ 21 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ኪኢላ ፋይናንስ መሓረና ይከኣሎ ካብ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ኣብ መቐለ መኻናት ሰባት ውሉድ ዝረኽቡሉ ሕክምና ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ። ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ገንዘቡ ንዘይመለሱ ዓማዊል ብሕጊ ከምዝሓትት ኣፍሊጡ። ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና። ከምኡውን “ምርዳእ ብዛዕባ ጥፈሻ (bankruptcy): መን’ዩ ዝግብኦ፡ ትርጉሙ’ኸ እንታይ እዩ፧ዝድህስስ ሰሙናዊ መደብ ምባር ኣብ ኣውስትራሊያን ን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝመልኩ ክኢላታት ቀልጢፎም ስራሕ ክረኽቡን ዝሓሸ ደሞዝ ክኽፈሉን ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ። ኣብ ምብራቕ ፐርዝ ካብዝተላዕለ ባርዕ ብዙሕ ኣባይቲ ከምዝደሓነን መበገሲ ናይቲ ባርዕ ብጥርጣረ ከምዝጥምትዎን ሰበ-ስልጣን ኣፍሊጦም ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንኤርትራ ናይ15 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓንጺጹ።
Share