ንራሻ ዘግለለ ዋዕላ ሓያላት ሃገራት ኣብ ሀሮሺማ ጃፓን፡ "ንጫይና ከይረሓቕካ፡ ሓደጋታታ ምክልኻል"

President Joe Biden, Prime Minister Anthony Albanese (AP Photo/Susan Walsh) Source: AP / Susan Walsh/AP
ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንዩክረይን ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናትን ንፓይሎታታ ንምስልጣንን ኣመሪካ ናይ ደገፍ መደባት ከምዘለዋ ብምግላጽ ነቲ ሓገዝ ንምሃብ ክታሙ ኣንቢሩ ኣሎ ። ሚስተር ባይደን ነቲ ኣብ ጃፓን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝተሳተፈሉ ዋዕላ መራሕቲ G-7 እዩ ገሊጹ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ ድማ ኣብቲ ዋዕላ ምስ ጆ ባይደን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ፡ ጽሩይ ጸዓት ንምድንፋዕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ኣፍለጡ ።
Share