Listen to Australian and world news, and follow trending topics with SBS News Podcasts.
TRANSCRIPT
ኣብ’ቲ ሓሙስ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ሃገራዊ ክለብ መራኸቢ ብዙሃን (ናሽናል ፕረስ ክለብ) ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ሓደስቲ ቀይድታት ኣብ መወዓውዒታት ንምቁማር ከተግብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
"ኣብ መንጎ ሰዓት 6 ቅ.ቀ.ን 8:30 ድ.ቀ.ን፣ መወዓውዒታት ቴሌቪዥን ንትካላት ቁማር (ቤቲንግ) እንተበዝሐ ሰለስተ ኣብ ሓደ ሰዓት ክኾኑ ማዕቀብ ክንገብረሎም ኢና፣ ኩሎም መወዓውዒታት ቁማር ኣብ ሬድዮ ኣብ ግዜ ምምጻእ ተመሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲን ናብኡ ምብጽሖምን ክንክልክሎም ኢና። ትንተና ስፖርት ምስ ቁማር ወይ ዕድላት ምዕዋት ጋንታታት ዝሕውስ ትሕዝቶ ምውዕዋዕ ኩሉ ክንክልክሎ ኢና። ኣብ ማልያታት፣ ጎልፎታትን (ጃምፐርስ)ን ኣብ ስታድየማት ምውዕዋዕ ከነብቅዖ ኢና።"
እቲ ተጠቃሚ ልዕሊ 18 ዕድሚኡ ምዃኑ ክሳብ ዘይተረጋገጸን ከቋርጽ ወይ ክወጽእ ብቕዓት ወይ ክእለት ዘለዎ ክሳብ ዘይኮነን፣ ሚስተር ኣልባነዚ መንግስቱ ምውዕዋዕ ቁማር ኣብ ኢንተርነት ወይ ኦንላይን ክኽልክሎ’ዩ ይብል።
ንሱ ኣውስትራልያ ብተወሳኺ ዘይሕጋውያን ናይ ደገ መርበባት ቁማር ክትዓግቶም’ያ፣ ምህርትታት ኬኖ-ታይፕስ ኦንላይን፣ ቁጽሪታት ብምግማት ትቋመረሉ ወይ ፖኬት ፖኪስ ተባሂሎም ብዙሕ ግዜ ዝጽውዑ’ውን ክትእግዶም’ያ ይብል።
ፈደራል መንግስቲ ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ቤትስቶፕ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተጠቀምቲ ንኩሎም ኣውስትራልያውያን ፈቓድ ዘለዎም (ላይሰንስድ) ኦንላይንን ቴሌፎንን ኣቕረብቲ’ዞም ኣገልግሎታት ከይመጾም ወይ ከይክፈት ዝዓግትሉ ወይ ዝዓጽውሉ (ብሎክ ክገብርሉ) ዘኽእሎም፣ ባዕልኻ ንነብስኻ ተግልለሉ ሃገራዊ መዝገብ (ናሽናል ሰልፍ-ኤክስክሉዥን ረጂስተር) ምውፋሩ ክቕጽሎ’ዩ።
"እቲ ሚዛን ብልክዕ ነምጽኦ ኣለና። ዓበይቲ (በጽሒታት) እንተደሊዮም ክቋመሩ ምፍቃድ፣ ግን ከኣ ደቅና ኣብ ኩሉ ዝጠመትዎ ወይ ዝምልከትዎ ንምቁማር ዝዕድሙ መወዓውዒታት ክርእዩ ከምዘይብሎም ምርግጋጽ፣ ምኽንያቱ ንሕና ህጻናት ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ወይ ፉቲን ቁማርን (ጋምብሊንግን) ክንጸሉ ብዘይከኣል ዝተኣሳሰሩ’ዮም ኢሎም እናሓሰቡ ክዓብዩ ኣይንደልን ኢና።"
ኣብ 2023 ነብስሄር ኣባል ባይቶ ሰልፊ ለይበር ፔታ መርፊ፣ ንመወዓውዒታት ቁማር (ጋምብሊንግ) ድሕሪ ዝተመልከተ ሓደ መርመራ ባይቶ፣ መወዓውዒታት ቁማር ፍጹም ክኽልከሉ ዝብልን ካልኦት 30 ምኽርታትን መደምደምታታትን ዝሓዘ ሓደ ጸብጻብ ኣቕሪባ።
ኣብ’ቲ ጸብጻብ ‘መርፊ ሪፖርት’ ዝቐረበ ምሉእ መደብ ወይ ፕላን ኣብ ክንዲ ዝፍጽም፣ ሚስተር ኣልባነዚ ኣብ ልዕሊ መወዓውዒታት ቁማር ምሉእ ዘይኮነ ምትዕርራይ ሕጊ ጥራይ ምውሳዱ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።
ንሱ እቲ ምትዕርራይ ኣብ ልዕሊ መወዓውዒታት ቁማር ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተተገብሩ እዚ እቲ ኣዝዩ ዝዓበየ’ዩ ክብል ነቲ መግለጺኡ ተኸላኺልሉ።
"ተወሰኽቲ መወዓውዒታት ክወጹ ኣይክእሉን’ዮም፣ ቀንዲ ዕላማ ቀይዲ ምህላው ነዚ’ዩ፣ ካብ’ቲ ቅድሚ ክልተ ገለ ዓመታት ኣብ 2024 ክንዛረብ’ንከለና ዝነበረ ንኣብነት 8 ማለት’ዩ፣ ስለ’ዚ 3 ክኸውን ምግባሩ ብርግጽ ብልዕሊ ፍርቂ ምጉዳሉ ማለት’ዩ። እዚ ነቲ ቅቡል ዝኾነ ሚዛንን ዓይነታትን ብዛዕባ ምርካቡ’ዩ።"
ሓደ ናይ 2024 መጽናዕቲ ዳርጋ ክልተ ካብ ሰለስተ ኣውስትራልያውያን በጽሒ ኣብ 2023 ዓም ብውሑዱ ሓደ ግዜ ተቛሚሮም (ቁማር ተጻዊቶም) ክብል የመልክት፣ ሓደ ካብ ሸውዓተ ድማ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጸገማት ኣጋጢምዎም።
እዚ መንግስቲ ነዞም ካብ ባሕቲ ጥሪ 2027 ክጅምሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ምቅይያራት/ለውጥታት ሕጊ ከጽድቖም’ዩ።
እንተኾነ ግን ቅድሚኡ፣ እቲ መንግስቲ ካብ’ቲ ካልእ ሸነኽ ፖለቲካ ድጋፍ ከድልዮ’ዩ።
ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ወይ ሰነተር ሰልፊ ግሪንስ ሳራ ሃንሰን-ያንግ ንሚስተር ኣልባነዚ ኣብ ምቅላስን ምምካትን መወዓውዒታት ቁማር (ጋምብሊንግ ኣድቨርታይዚንግ) ትብዓት ወይ መዓንጣ ዘይብሉ ክትብል ጽዊዓቶ።
"ሓቀኛ እገዳ ኣብ መወዓውዒታት ቁማር (ጋምብሊንግ) ከይገብር ሰጊርዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንጽላት ጋምብሊንግ ክቃለሶምን ነቲ ሃገራዊ ተቖጻጻሪ ከቕውምን ትብዓት ወይ መዓንጣ ከይገበረ’ዩ ጸኒሑ። እዚ እቲ ዘድሊ’ዩ ኔሩ፣ እንታይ ኮይኑ ግን ንፈልጥ ኢና። ግዝኣታዊ መንግስታት ኣብ መላእ ሃገር በቲ ካብ’ዚ ጽላት ጋምብሊንግ ዝመጽእ ገንዘብ ተወሊፈን’የን፣ እቲ ጽላት ቁማር ድማ ኣብ’ቲ ዝቐለለ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ወይ ናይ ምርጫ ቦታ’ዩ ዝማጎት ወይ ዝወዳደር ዘሎ።"
ሰነተር ሰልፊ ሊበራል ሳራ ሀንደርሰን እዚ ምትዕርራይን ለውጢን ኣብ ሕጊ ዶንጊዩ ከማን ትብል።
"ንዝርዝር ናይ’ቲ ሎሚ ዝተገልጸ ብደቂቕ ክንምርምሮ ኢና፣ ምስ’ቲ ሕጂ ዘይሰርሕ ምዃኑ ፈሊጥናዮ ዘለና መንግስቲ ዘውጽኦ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሶሻል መድያ ንህጻናት ተመልኪትካ ማለት’ዩ፣ ብዛዕባ’ዚ ንህጻናት ትሕቲ 18 ዝኽልክል ቀይዲ ወይ እገዳ ናይ ኦንላይን መወዓውዒታት ቁማር ብርግጽ ገለ ስክፍታታት ኣለዉኒ።"










