ምውራድ መራሒ'ታ ካሪብያናዊት ሃገር ዘኸተለ ፍኑው ናዕቢ ሀይቲ፡

HAITI CRISIS

ብ12 መጋቢት 2024 ኣብ ሀይቲ ፡ አዩ ፕሪንስ ፡ ተቓውሞ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ፡ ሰልፈኛታት ጐማታት ብሓዊ የንድዱ ነበሩ ። ማሕበረሰብ ካሪቢያንን ሓባራዊ ዕዳጋ (ካሪኮም) ብ11 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሀይቲ ኣርየል ሄንሪ ፡ መሰጋገሪ ፕረዚደንታዊ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምቛሙን ሓድሽ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምሻሙን ፡ መንግስቱ ካብ ስልጣኑ ከም ዝለቅቕ ኣፍሊጡ እዩ ። ሄንሪ ንሰሙናት ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዘጋጠመ ቅልውላውን ዓዋሉን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ ኣሎ ። EPA/Johnson Sabin Source: EFE / Johnson Sabin/EPA

ቀዳማይ ሚኒስተር ሀይቲ ፡ ኣርየል ሄንሪ ፡ መሰጋገሪ ፕረዚደንታዊ ባይቶ ምስ ተፈጥረ ፡ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ኣፍሊጡ ። እዚ ዝመጸ ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ብዕጡቓት ዓዋሉ ዝተፈጥረ ከቢድ ናዕቢን 360,000 ሰባት ድሕሪ ዘመዛበለን እዩ ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ድማ ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ከም ዘሎ ይገልጽ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service