Source: SBS Tigrinya“ህወሓት ነቲ ሐዚ ዘሎ ለውጢ ኣየተቐበለን” ዝበሃል ወቐሳታት ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተዛሪቦም። ብዓል ኣሸንዳ ኣብ ምኽባር ንዝተርኣየ ወነን ሓድነትን ተጋሩ መርኣያ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ክኸውን ከም ዝበሃጉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም። ውዳበ ኣምሓራ ብኣዴን ኣይተ በረከት ስምኦንን ኣይተ ታደሰ ካሳን ካብ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኣጊዳቶም። 650 ተሃነፅቲ ሕጊ ይቕሬታን ምሕረትን ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ። ልዕሊ 45 ሽማግለታት ዓበይቲ ዓዲ ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን መናእሰያትን ሎሚ ሰኑይ ካብ ከተማ ዛላኣንበሳ ተበጊሶም ናብ ኣብ ከተማ ሰርሓ ምስ ሽማግለታት ወደከለ ኣንበሰተገለባን እንዳዳሽምን ክራኸቡ ከም ዝወጠኑ ተገሊፁ
“ህወሓት ነቲ ሐዚ ዘሎ ለውጢ ኣየተቐበለን” ዝበሃል ወቐሳታት ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተዛሪቦም። ብዓል ኣሸንዳ ኣብ ምኽባር ንዝተርኣየ ወነን ሓድነትን ተጋሩ መርኣያ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ክኸውን ከም ዝበሃጉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም። ውዳበ ኣምሓራ ብኣዴን ኣይተ በረከት ስምኦንን ኣይተ ታደሰ ካሳን ካብ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኣጊዳቶም። 650 ተሃነፅቲ ሕጊ ይቕሬታን ምሕረትን ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ። ልዕሊ 45 ሽማግለታት ዓበይቲ ዓዲ ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን መናእሰያትን ሎሚ ሰኑይ ካብ ከተማ ዛላኣንበሳ ተበጊሶም ናብ ኣብ ከተማ ሰርሓ ምስ ሽማግለታት ወደከለ ኣንበሰተገለባን እንዳዳሽምን ክራኸቡ ከም ዝወጠኑ ተገሊፁ