ድሕሪ ናይ 2 ዓመታት ኲናት ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል ናብ መቐለ ኣምሪሑ፣ 'ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተስፋ ዝህብ'ዩ' ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ጸብጻባት ዜና Credit: Getty
ጸብጻባት ዜና: * ድሕሪ ናይ 2 ዓመታት ኲናት ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል ናብ መቐለ ኣምሪሑ። * ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ "ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ሓቢሩ። * ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣሜሪካን እንግሊዝን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ፣ መሰረታውያን ኣገልግልታት ክምለሳ ፀቕጢ ኣሐይለን። * ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ሕጂ ውን ብምቕታል፣ ምግፋዕን ምዕማጽ ደቀንስትዮን ተኸሲሶም። * ኢጋድ ንተግባራውነት እቲ ስምምዕ ሰላም ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ። * ላዐለዋይ ኣማኻሪ መገዲ ኣየር ዴልታ ዝኾኑ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ ኬንያ ሓዱሽ መሪሕነት ክረኽቡ ምዃኖም ተገሊጹ።
Share