ብሪጣንያን ካናዳን ብምኽንያት ኣዋጅ ክተት ኣብ ኤርትራ መጠንቀቕታ ንዜጋታተን ሂበን፣ መራሕቲ ትግራይ ምሩኻት ለቒቕና ይብሉ (ጸብጻባት)
Homeland Report Credit: Getty Images
ጸብጻባት ዜና: ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ተመያይጡ፣ ዝተማረኹ ዕጡቓት ፋኖን ምልሻታትን ኣምሓራ ከም ዝለቐቑ መራሕቲ ትግራይ ኣፍሊጦም፣ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ኣዋጅ ክተት ብሪጣንያን ካናዳን ንዜጋታተን ኣጠንቂቐን፣ ሕቡራት ሃገራት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክህቦ ዝሰለዖ 300 ሚልዮን ዶላር ደው ኣቢሉዎ፣ ምሉእ ትግራይ ሓዊስካ ካብ 29.3 ሚልዮን 13 ሚልዮን ተመሃሮ ዝቦኽሩሉ ዓውዲ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ክወሃብ ጀሚሩ: ፕረዚደንት ሶማልያ ወተሃደራቱ ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱሉ ምኽንያት ንፖለቲካዊ ፍልልያት ሃገሩ ምኽንያት ጌሩ ፕረዚደንት ኤርትራ ክመልሶም ፈቓደኛ ብዘይምዃኑ’ዩ ምባሉ ዝብሉ ጸብጻባት ንሎሚ ዘለውና’ዮም
Share