ኣብ ኣምሓራ ዝቐነየ ናዕቢ ሃዲኡ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ብሚኒስተር ጥዕና ፌደራል ዶ/ር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ትግራይ ዑደት ኣካይዱ። ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላውድ ጂቢዳር ተዘራሪቡ። ኤርትራ ናብ ኢጋድ ንምምላስ ዘቕረበቶ ሕቶ ዝርርብ ከምዝተዘረበሉ ፕረዚደንት ኬንያ ሓቢሩ። ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ንኦሮሞ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ጠጠው ክብል ፀዊዑ።
Share