መንግስቲ ኢትዮጵያ 20 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበራ 2 መዓስከራት ከም ዝጠፍኡ ኣሚኑ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)

Source: Getty Images
ኤርትራ ዝኣሰረቶም ገፈፍቲ ዓሳ እዮም ዝተብሃሉ ግብጻውያን ክትፈትሕ ተሓቲታ። መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ክገሹ ኣብ ዝወጠኑሉ እዋን ተሪር ተቓውሞ ገጢሙዎም። ኣብ መፈለምታ ሓድሕዳዊ ኩናት 'ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደው ንብል' ምባሎምን በቲ ንዓለም ዘሻቕል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ትግራይ ስቕታ ምምራጾምን ገለ ካብ መበገሲታት ናይቲ ተቓውሞ እዩ ተባሂሉ። ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ግዝኣታት ከም ዘምለሰት፣ ሓንቲ ከተማ ከም ዝዓነወትን ልዕሊ 4000 ሰባት ነታ ከተማ ሓዲጎም ከም ዝሃደሙን ተሰሚዑ። ዝቕባበ ዋጋ ሸቐጣት ኢትዮጵያ ኣብዚ ወርሒ ምስቲ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን ተነጻጺሩ ብ19.2% ከም ዝነሃረ ተገሊጹ። ኣብ ቤት ማሕዩር ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ኦሮሞ መግቢ ናይ ምሕሳም አድማ ካብ ዝጅምሩ 11 መዓልታት ሓሊፉዎም። ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ፎርማጆ መዝነቱ ከም ዝተናውሐ ኣፍሊጡ።
Share