ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ 'ልኡኻት' ምስ ዝበሎም ሓይልታት ኣብ ሸሞንተ ግንባራት ይዋጋእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

Homeland News

Source: EBC

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ 'ልኡኻት' ምስ ዝበሎም ሓይልታት ኣብ ሸሞንተ ግንባራት ይዋጋእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ምስቶም ለኣኽቶም 'ዝጋፈጠሉ' ጊዜ ውን ርሑቕ ከም ዘይኮነ ገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወጹ ኣለዉ ክብል ንመግለጺ ሃገራት G-7 መልሲ ሂቡ። ሓደስቲ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ድማ እማያት ይዛረቡ። ብዜካ እዚ ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእከላይን ትግራይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ጅሆ ከም ዝተትሓዙ ተሰሚዑ ኣሎ። ኣብ ክልል ሶማል ብዝወረደ ድርቂ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ሰብ መዚ እቲ ክልል ተዛሪቦም። እታ ክልል ምስ ክልል ዓፋር ብዘለዋ ናይ ግዝኣት ጎንጺ ዘስዓቦ ልውውጥ ተኹሲ ሰባት ከም ዝሞቱ እውን ይሕበር ኣሎ



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service