SKIP TO MAIN CONTENT

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ 'ልኡኻት' ምስ ዝበሎም ሓይልታት ኣብ ሸሞንተ ግንባራት ይዋጋእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

Homeland News
Source: EBC

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ 'ልኡኻት' ምስ ዝበሎም ሓይልታት ኣብ ሸሞንተ ግንባራት ይዋጋእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ምስቶም ለኣኽቶም 'ዝጋፈጠሉ' ጊዜ ውን ርሑቕ ከም ዘይኮነ ገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወጹ ኣለዉ ክብል ንመግለጺ ሃገራት G-7 መልሲ ሂቡ። ሓደስቲ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ድማ እማያት ይዛረቡ። ብዜካ እዚ ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእከላይን ትግራይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ጅሆ ከም ዝተትሓዙ ተሰሚዑ ኣሎ። ኣብ ክልል ሶማል ብዝወረደ ድርቂ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ሰብ መዚ እቲ ክልል ተዛሪቦም። እታ ክልል ምስ ክልል ዓፋር ብዘለዋ ናይ ግዝኣት ጎንጺ ዘስዓቦ ልውውጥ ተኹሲ ሰባት ከም ዝሞቱ እውን ይሕበር ኣሎ

Published

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ 'ልኡኻት' ምስ ዝበሎም ሓይልታት ኣብ ሸሞንተ ግንባራት ይዋጋእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ምስቶም ለኣኽቶም 'ዝጋፈጠሉ' ጊዜ ውን ርሑቕ ከም ዘይኮነ ገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወጹ ኣለዉ ክብል ንመግለጺ ሃገራት G-7 መልሲ ሂቡ። ሓደስቲ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ድማ እማያት ይዛረቡ። ብዜካ እዚ ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእከላይን ትግራይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ጅሆ ከም ዝተትሓዙ ተሰሚዑ ኣሎ። ኣብ ክልል ሶማል ብዝወረደ ድርቂ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ሰብ መዚ እቲ ክልል ተዛሪቦም። እታ ክልል ምስ ክልል ዓፋር ብዘለዋ ናይ ግዝኣት ጎንጺ ዘስዓቦ ልውውጥ ተኹሲ ሰባት ከም ዝሞቱ እውን ይሕበር ኣሎ

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now