ኣብ ትግራይ 80% ካብቶም ብኲናት ዝተጎድኡ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘይረኸቡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

Homeland Report

Source: Getty Images

ኣብ ትግራይ 80% ካብቶም ብኲናት ዝተጎድኡ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘይረኸቡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። "ሎሚ ሓደ፣ ክልተ ሰለስተ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት ኣለዉ። ድሕሪ ወርሒ ብኣሽሓት፣ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ግን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም። " ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኣበራ ቶላ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ መብጽዓ ከኽብር መገዲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ሓቲቱ። ኣንጻር ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ንሽምግልና ዝኸዱ ሰባት ብዝተበገሰ ተቓውሞ ንካልኣይ መዓልቲ ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ውቕሮን ፍረወይንን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ። ንልዕሊ 110 ዓመታት ተሓላቓይ መሰል ስደተኛታት ዝኾነ ኮሚቴ ስደተኛታት ኣሜሪካ ኩነታት እቶም ካብ መዓስከራት ትግራይ ዝጠፍኡ 20,000 ስደተኛታት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ክምርመር ሓቲቱ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service