SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ትግራይ 80% ካብቶም ብኲናት ዝተጎድኡ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘይረኸቡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

Homeland Report
Source: Getty Images

ኣብ ትግራይ 80% ካብቶም ብኲናት ዝተጎድኡ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘይረኸቡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። "ሎሚ ሓደ፣ ክልተ ሰለስተ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት ኣለዉ። ድሕሪ ወርሒ ብኣሽሓት፣ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ግን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም። " ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኣበራ ቶላ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ መብጽዓ ከኽብር መገዲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ሓቲቱ። ኣንጻር ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ንሽምግልና ዝኸዱ ሰባት ብዝተበገሰ ተቓውሞ ንካልኣይ መዓልቲ ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ውቕሮን ፍረወይንን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ። ንልዕሊ 110 ዓመታት ተሓላቓይ መሰል ስደተኛታት ዝኾነ ኮሚቴ ስደተኛታት ኣሜሪካ ኩነታት እቶም ካብ መዓስከራት ትግራይ ዝጠፍኡ 20,000 ስደተኛታት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ክምርመር ሓቲቱ።

Published

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ኣብ ትግራይ 80% ካብቶም ብኲናት ዝተጎድኡ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘይረኸቡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። "ሎሚ ሓደ፣ ክልተ ሰለስተ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት ኣለዉ። ድሕሪ ወርሒ ብኣሽሓት፣ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ግን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም። " ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኣበራ ቶላ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ መብጽዓ ከኽብር መገዲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ሓቲቱ። ኣንጻር ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ንሽምግልና ዝኸዱ ሰባት ብዝተበገሰ ተቓውሞ ንካልኣይ መዓልቲ ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ውቕሮን ፍረወይንን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ። ንልዕሊ 110 ዓመታት ተሓላቓይ መሰል ስደተኛታት ዝኾነ ኮሚቴ ስደተኛታት ኣሜሪካ ኩነታት እቶም ካብ መዓስከራት ትግራይ ዝጠፍኡ 20,000 ስደተኛታት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ክምርመር ሓቲቱ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now