Source: Getty Imagesመበል 40 ኣኼባ ባይቶ ፈጻሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ብኩናት ሕድሕድ ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ክሳለጥ ዝጀመረ ኮይኑ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራቱን ሓለፍቲ ትካላት ናይቲ ኣህጉርን ተረኺቦምሉ ኣለዉ። ኣብ መእተዊ እቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ሊቀመንበር ናይቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማት - ኣፍሪቃ ብኮቪድ 19 ዝተሃስየ ቁጠባኣ ንምህናጽ 154 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድልያ -ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ይስራሕ ከም ዘሎ - ንጥበብ፣ ባህልን ሓድግን ቆላሕታ ክወሃብ ከም ዝጀመረ፣ - ስርዓት ፋይናንስ እቲ ሕብረት ንምምሕያሽ ይጸዓር ከም ዘሎ -ካብ ካልእ ዓለም ዝረኽቦ ረድኤት ንምትካእ ኣባል ሃገራት ክፍሊተን ከሐይላ ይስራሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ ኣብ ኣባል ናይቲ ሕብረት ዝኾና ሃገራት ዝተኻየዱ ዕልዋታት መንግስቲ ህድኣት ናይቲ ኣህጉር ይዘርግ ከም ዘሎ ተዛሪም።
መበል 40 ኣኼባ ባይቶ ፈጻሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ብኩናት ሕድሕድ ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ክሳለጥ ዝጀመረ ኮይኑ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራቱን ሓለፍቲ ትካላት ናይቲ ኣህጉርን ተረኺቦምሉ ኣለዉ። ኣብ መእተዊ እቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ሊቀመንበር ናይቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማት - ኣፍሪቃ ብኮቪድ 19 ዝተሃስየ ቁጠባኣ ንምህናጽ 154 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድልያ -ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ይስራሕ ከም ዘሎ - ንጥበብ፣ ባህልን ሓድግን ቆላሕታ ክወሃብ ከም ዝጀመረ፣ - ስርዓት ፋይናንስ እቲ ሕብረት ንምምሕያሽ ይጸዓር ከም ዘሎ -ካብ ካልእ ዓለም ዝረኽቦ ረድኤት ንምትካእ ኣባል ሃገራት ክፍሊተን ከሐይላ ይስራሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ ኣብ ኣባል ናይቲ ሕብረት ዝኾና ሃገራት ዝተኻየዱ ዕልዋታት መንግስቲ ህድኣት ናይቲ ኣህጉር ይዘርግ ከም ዘሎ ተዛሪም።