ብተኸታተልቲ ዕልዋ መንግስታት ዝተዓጀበ ኣኼባ ባይቶ ፈጻሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

Homeland News

Source: Getty Images

መበል 40 ኣኼባ ባይቶ ፈጻሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ብኩናት ሕድሕድ ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ክሳለጥ ዝጀመረ ኮይኑ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራቱን ሓለፍቲ ትካላት ናይቲ ኣህጉርን ተረኺቦምሉ ኣለዉ። ኣብ መእተዊ እቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ሊቀመንበር ናይቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማት - ኣፍሪቃ ብኮቪድ 19 ዝተሃስየ ቁጠባኣ ንምህናጽ 154 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድልያ -ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ይስራሕ ከም ዘሎ - ንጥበብ፣ ባህልን ሓድግን ቆላሕታ ክወሃብ ከም ዝጀመረ፣ - ስርዓት ፋይናንስ እቲ ሕብረት ንምምሕያሽ ይጸዓር ከም ዘሎ -ካብ ካልእ ዓለም ዝረኽቦ ረድኤት ንምትካእ ኣባል ሃገራት ክፍሊተን ከሐይላ ይስራሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ ኣብ ኣባል ናይቲ ሕብረት ዝኾና ሃገራት ዝተኻየዱ ዕልዋታት መንግስቲ ህድኣት ናይቲ ኣህጉር ይዘርግ ከም ዘሎ ተዛሪም።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service