ኣርእስታት ጸብጻብ፡ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ሰልፍታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ እታ ሃገር ይትርጎም ክብል ንዘሕለፎ ውሳኔ ተቓዊምዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 160 ሓሊፉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንመዐፈኒ መሰል ብናጽነት ምዝራብ ይጥቀመሉ ኣሎ ብዝብል ተወቒሱ። ኤርትራውያን: ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ናብ ኦሮምያን ኣምሓራን ክግዕዙ ዝግበር ዘሎ ምሽብሻብ ኣብ ርእሲ’ቲ ሕጂ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጓንፎም ዘሎ ቁጠባዊ ጸገም፣ ንሕማም ኮሮናቫይረስ ዘቃልዖም ብቐጻሊ ከኣ ባህሊን መንነቶምን ዘጥፍእ እዩ ክብሉ ኣብ መዓስከራትን ኣብ ሽረ ዝነብሩ ኤርትራውያን ተቓዊሞምዎ።
Share





