“ጸላእቲ ካብ ትግራይ ክሳብ ዘይወጹ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክቕጽል እዩ” ፕረ ክ/ትግራይ: ቀ/ሚ ኣበይ ኣሕመድ ብወገኑ ንሓድሽ ውግእ ይዳሎ ከምዘሎ ገሊጹ።

Homeland News

Source: AAP

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ***ፕረዝደንት ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ጸላእቲ ካብ ትግራይ ክሳብ ዘይወጹ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክቕጽል እዩ ኢሉ። ኣማካሪኡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ካብ ወፍሪ ኣሉላ ቀጺሉ ብዝተኸፍተ ወተሃደራዊ ስርሒት ደቡባዊ ትግራይ ናብ ዝነበሮ ግዝኣት ከም ዝተመለሰ ገሊጹ። ***ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣበይ ኣሕመድ ንበይኑ ወሲኑዎ ዝነበረ ተኹሲ ደው ምባል ከም ዝፈሸለ ብምግላጽ ንሓዱሽ ውግእ ይዳሎ ከም ዘሎ ገሊጹ። ***መንግስቲ ኣምሓራ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ይዋጋእ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ***ኣሜሪካ ኢትዮጵያ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ገበን ምጽናት ዓሌት ከም ዝተፈጸመለን ብወግዒ ገሊጻ። ***ድሕነት ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከም ዘንጸላልዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ***ኣብ ኦሮምያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ሰባት ተቐቲሎም። ***ኦነግ ንልዕሊ 100 ሰራዊት ኢትዮጵያ ቀቲሉ ልዕሊ 200 ከም ዘቑሰለ ገሊጹ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
“ጸላእቲ ካብ ትግራይ ክሳብ ዘይወጹ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክቕጽል እዩ” ፕረ ክ/ትግራይ: ቀ/ሚ ኣበይ ኣሕመድ ብወገኑ ንሓድሽ ውግእ ይዳሎ ከምዘሎ ገሊጹ። | SBS Tigrinya