“ጸላእቲ ካብ ትግራይ ክሳብ ዘይወጹ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክቕጽል እዩ” ፕረ ክ/ትግራይ: ቀ/ሚ ኣበይ ኣሕመድ ብወገኑ ንሓድሽ ውግእ ይዳሎ ከምዘሎ ገሊጹ።

Source: AAP
ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ***ፕረዝደንት ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ጸላእቲ ካብ ትግራይ ክሳብ ዘይወጹ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክቕጽል እዩ ኢሉ። ኣማካሪኡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ካብ ወፍሪ ኣሉላ ቀጺሉ ብዝተኸፍተ ወተሃደራዊ ስርሒት ደቡባዊ ትግራይ ናብ ዝነበሮ ግዝኣት ከም ዝተመለሰ ገሊጹ። ***ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣበይ ኣሕመድ ንበይኑ ወሲኑዎ ዝነበረ ተኹሲ ደው ምባል ከም ዝፈሸለ ብምግላጽ ንሓዱሽ ውግእ ይዳሎ ከም ዘሎ ገሊጹ። ***መንግስቲ ኣምሓራ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ይዋጋእ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ***ኣሜሪካ ኢትዮጵያ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ገበን ምጽናት ዓሌት ከም ዝተፈጸመለን ብወግዒ ገሊጻ። ***ድሕነት ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከም ዘንጸላልዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ***ኣብ ኦሮምያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ሰባት ተቐቲሎም። ***ኦነግ ንልዕሊ 100 ሰራዊት ኢትዮጵያ ቀቲሉ ልዕሊ 200 ከም ዘቑሰለ ገሊጹ።
Share